Wiki/Special:MyContributions
== ልበይ ብኣኻ ይሕጎስ ኣሎ-
ዮናታን ኣብርሃም፡ ሶስና ሳሙኤል[edit]
ልበይ ብኣኻ ይሕጎስ ኣሎ[edit]
ንስኻ በይንኻ ጥራይ ኢኻ፡ ምንጪ ሓጎሰይ
ንስኻ በይንኻ ጥራይ ኢኻ የሱስ፡ ምንጪ ሰላመይ
ንስኻ በይንኻ ጥራይ ኢኻ፡ ምንጪ ጽቡቐይ
ምሉእ ዉህበት፡ ጽቡቕ ዉህበት ካባኻ'ዩ
ካብቲ ለዉጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዘይብሉ
ንብዓተይ ደሪዝካ፡ ኣጆኻ ትብለኒ
ከይደክም ከይሕለል፡ ብኢደይ ትሕዘኪ
በትርኻን ምርኩስካን፡ የጸናንዓኒ
ንስኻ ምሳይ ኢኻ፡ እንታይ ከይገጥመኒ
ነብሰይ ትዝምረልካ
መታን ሱቕ ከይትብል ኢልካ
ብኽያተይ ሳሕቂ ለዊጥካ ማእሰረይ ኩሉ ፈቲሕካ
ከምቲ ብዙሕ ምርኮ ዝማረኸ ልበይ ብኣኻ ይሕጎስ ኣሎ ይሕጎስ ኣሎ ብኣኻ ይሕጎስ ኣሎ (2)
ጽድቅን ፍርድን ኣብ ምድሪ ምግባርካ
ብእኡ'የ ዝሕጎስ፡ ብእኡ ዝምካሕ
ብዘርአ ኣይኮነን ብንብረት እዛ ዓለም
ንሱስ ሓላፊ'ዩ፡ ነባሪ ኣይኮነን
ሰማይ፡ ንዓኻ ምርካበይ
ኣብ ምድሪ፡ ዝደልዮ ነይብለይ
ትምክሕተይ፡ ንስኻ ኢኻ
ኩሉ ግዜ፡ ይሕጎስ ብኣኻ
ከምቲ ብዙሕ ምርኮ ዝማረኸ
ልበይ ብኣኻ ይሕጎስ ኣሎ
ይሕጎስ ኣሎ ብኣኻ ይሕጎስ ኣሎ (2)
ናብራ ናትካ ኣይምኖን፡ ኣዝዩ ይጥዕመኒ
ኩሉ ግዜ ሓድሽ፡ ሓድሽ ይኾነኒ
ቀቅድመይ ሓሊፍካ፡ ኩሉ ተስልጠለይ
ጎደሎ ትምልእ፡ ተጸግዋ ናብሰይ
ምሕረት፡ ፍቕርኻ ይስዕባኒ
ብዋልታ፡ ጸጋ ይኸባኒ
እጠብቕ፡ ኩሉ ግዜ ኣባኻ
ኣይርሕቕ፡ ኣይፍለ ካባኻ
ከምቲ ብዙሕ ምርኮ ዝማረኸ
ልበይ ብኣኻ ይሕጎስ ኣሎ
ይሕጎስ ኣሎ ብኣኻ ይሕጎስ ኣሎ (2)