ሰናይ ኢኻ (Senay Ika) - ዮናታንን ሶሱናን

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ዮናታንን ሶሱናን
(Yonatan and Sosna)

Lyrics.jpg


(Volume)

ኣይትምርመርን
(Aytmrmern)

ቁጥር (Track):

(1)

ርዝመት (Len.): 5:36
ሌሎች ፡ የአልበሙ ፡ መዝሙሮች
(Other Songs in the Album)
የዮናታንን ሶሱናን ፡ አልበሞች
(Albums by Yonatan and Sosna)

፩) ኣጉባዝ ፡ ይደኽሙን ፡ ይሕለሉን
ኣባጽሕውን ፡ ሰንከልከል ፡ ኢሎም ፡ ይወድቁ
እቶም ፡ ንዓኽ ፡ ዝጽበዩኻ
ሓይሎም ፡ እናበርትዔ ፡ ክደምቁዩም ፡ ገና

ተደጋሚ፦ ሰናይ ፡ ኢኻ ፡ እወ ፡ ሰናይ (፪)
ብባሕርኻ ፡ ሰናይ ፡ ኢኻ
ሰናይ ፡ ድማ ፡ ትገብር ፡ ኣሎኻ

፪) ኣኽራን ፡ ብነድሮም ፡ እንተንቀጥቀጡ
ማያት ፡ ዓፊሮም ፡ ተተናወጹን
በዚ ፡ ሰናይካ ፡ ፡ ኣይልወጥን'ዩ
ሰንደቅ ፡ ዕላማኻ ፡ ፍቅሪ ፡ እዩ

ተደጋሚ፦ ሰናይ ፡ ኢኻ ፡ እወ ፡ ሰናይ (፪)
ብባሕርኻ ፡ ሰናይ ፡ ኢኻ
ሰናይ ፡ ድማ ፡ ትገብር ፡ ኣሎኻ

፫) ሕማቅ ፡ ክትርኢ ፡ ኣይኮነልካንዩ
ርሱዕ ፡ ምዝካር ፡ ባሕሪኻ ፡ እዩ
ንጭኑቕ ፡ ሽጉር ፡ ፍትሒ ፡ ተውጽአሉ
ልምድካስ ፡ ወትሩ ፡ ሰናይ ፡ እዩ

ተደጋሚ፦ ሰናይ ፡ ኢኻ ፡ እወ ፡ ሰናይ (፪)
ብባሕርኻ ፡ ሰናይ ፡ ኢኻ
ሰናይ ፡ ድማ ፡ ትገብር ፡ ኣሎኻ

፬) ነቶም ፡ ንኣምላኽ ፡ ዘፍቅርዎ
ከም ፡ ምኽሩውን ፡ እተጸውኡ
ኩሉ ፡ ነገር ፡ ንሰናዮም
ከም ፡ ዝድግፎም ፡ አይንጠራጠርን

ተደጋሚ፦ ሰናይ ፡ ኢኻ ፡ እወ ፡ ሰናይ (፪)
ብባሕርኻ ፡ ሰናይ ፡ ኢኻ
ሰናይ ፡ ድማ ፡ ትገብር ፡ ኣሎኻ