ሃሌሉያ (Hallelujah) - ዮናታንን ሶሱናን

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ዮናታንን ሶሱናን
(Yonatan and Sosna)

Lyrics.jpg


(2)

ኣይትምርመርን
(Aytmrmern)

ቁጥር (Track):

(8)

ርዝመት (Len.): 6:22
ሌሎች ፡ የአልበሙ ፡ መዝሙሮች
(Other Songs in the Album)
የዮናታንን ሶሱናን ፡ አልበሞች
(Albums by Yonatan and Sosna)

በይንኻ ኢኻ ኣምላኽ ነምልኸካ ኣሎና
በይንኻ ኢኻ ንጉስ ንሰግደልካ ኣሎና
በይንኻ ኢኻ ጎይታ ንግዘኣካ ኣሎና
በይንኻ ኢኻ ስልጡን ነኽብረካ ኣሎና
ዙፋንካ ዘልኣለም ጸኒዑ ይነብር
ዘንጊ መንግስትኻ ዘንጊ ቅንዕና'ዩ
ከማኻ ዝበለ ኣይርከብን'ዩ
ኣዚኻ ዓቢ ኢኻ መወዳድርቲ የብልካን'ዩ

ሃሌሉያ ሃሌሉያ ሃሌሉያ ኦ ሃሌሉያ
ሃሌሉያ ክብሪ ንስምካ ሃሌሉያ ክብሪ ንስምካ /2

በእላፋት ቅዱሳን ተኸቢብካ ዘሎኻ
ኣብቲ በረኽቲ ኣኽራን ትውደስ በይንኻ
ሓደ'ኳ ኣይመስለካን ፍጹም ኣይቀርበካን
ዘልኣለም ትርአ ደሚቅካን ገኒንካ
ኣብዘመናት ምሉእ በይንኻ ኢኻ ንጉስ
ግዜን ዘመናትን ኣይልውጠካን'ዩ
ስልጣንካ ፍሉይ'ዩ ማንም ዘይመስሎ
ብሓይሊ ግርማኻ ንኹሉ ትስዕሮ

ሃሌሉያ...

ብማህሌት እስራኤል እትውደስ ኣምላኽ
ቅዱስ ቅዱስ ሓያል ዓቢ እትበሃል
ኣታ ክንደይ ድንቂ ግኑንን ስልጡንን
ብምግላጽ ክብርኻ ልሳን ኩሉ ይጭድር
ሳህልን ምሕረትን ዝፋንካ መሊኡ
ርሕራሔኻ ድማ ንውሉድ ወለዶ'ዩ
ሳላ ስልጣን ዕብየትካ ጸላእትኻ ኩሎም
እና ኣቃባጠሩ ይግዝኡልካ'ዮም

ሃሌሉያ...