ጊዜ ኣለዎ (Gizie Alewo) - ዮናታንን ሶሱናን

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ዮናታንን ሶሱናን
(Yonatan and Sosna)

Lyrics.jpg


(Volume)

ኣይትምርመርን
(Aytmrmern)

ቁጥር (Track):

(9)

ርዝመት (Len.): 5:34
ሌሎች ፡ የአልበሙ ፡ መዝሙሮች
(Other Songs in the Album)
የዮናታንን ሶሱናን ፡ አልበሞች
(Albums by Yonatan and Sosna)

ኣብቲ ናተይ መወዳእታ መፈጸምታ
ኣምላኸይ ሽዑ ይጅምር ናቱ መጀመርታ
ከንቱ ኣይኮነን ዝፈስስ ኩሉ ንብዓተይ
ኣብጭልፍኡ ይእክቦ'ዩ ኣምላኸይ

ግዜ'ለዎ ኣምላኽይ ግዜ'ለዎ
ግዜ'ለዎ የሱሰይ ግዜ'ለዎ
ግዜ'ለዎ ንብዓተይ ንኽደርዞ
ግዜ'ለዎ ጸሎተይ ክምልሶ

ክሳብ ሸውዓተ ግዜ ዝኣክል ክዞሮ'የ
ፍጹም ኣይሕለልን ኣነስ ኣይደክምን'የ
ንሱ ብምዱብ ግዜኡ ክምልሶ
መዓስ ከይፈረሰ ቀጽሪ ያሪኮ ክተርፍ'ዩ

ግዜ'ለዎ...

ብዘይ ፍልጠትከ ንምኽሩ መን የጸልምቶ
ነቲ ንሱ ዝመደቦ መን ይዓግቶ
ይምልስ ይበጽሕ የሱስ ከም ድሌቱ
ከይደንጎየ ከይቀልጠፈ ኣብ ሰዓቱ

ግዜ'ለዎ ኣምላኽካ ግዜ'ለዎ
ግዜ'ለዎ ሃዲእካ ተጸበዮ
ግዜ'ለዎ ኣምላኽኪ ግዜ'ለዎ
ግዜ'ለዎ ቦታኺ ተጸበይዮ
ግዜ'ለዎ ኣምላኽና ግዜ'ለዎ
ግዜ'ለዎ ሃዲእና ንጸበዮ