እቲ ሓያል (Eti Hayal) - ዮናታንን ሶሱናን

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ዮናታንን ሶሱናን
(Yonatan and Sosna)

Lyrics.jpg


(2)

ኣይትምርመርን
(Aytmrmern)

ዓ.ም. (Year): 2001
ቁጥር (Track):

(10)

ርዝመት (Len.): 8:42
ሌሎች ፡ የአልበሙ ፡ መዝሙሮች
(Other Songs in the Album)
የዮናታንን ሶሱናን ፡ አልበሞች
(Albums by Yonatan and Sosna)

እቲ ሓያል ዓቢ ነገር ጌሩለይ
ዘኪርዎ ኩሉ ውርደተይ /2

እቲ ዓቢ ምረት ንሰላመይ ለዊጥዎ እቲ ዝኸብደኒ ጾር ወሲድዎ
ከመይ ኢሉ ይኾነሉ ናተይ ነገር ጐይታ'ዩእምበር /2

ናይ እምነት መርከበይ ልዕሊ ባሕሪ እናኸደት
ማዕበል'ውን ናብዝን ናብትን ደፍኣ ንምጥሓል'ውን ቀረበት
ማያት'ውን ምስኣተዋ ኣዝየ ክጭ ነቅጀመርኩ
ብኽእለተይ ክፈትሖ ላዕልን ታሕትን በልኩ
ሓላውየይ ግን ኣይተታኸሰን ነቲማዕበል ገንሖ ጸጥ ኣበሎ
ዓቢ ህድኣት ኮነለይ ሰላመይ'ውን መልኣለይ

እቲ ሓያል...

መንፈሰይ ብኣምላኸይ መድሕነይ ባህ እብሎ
ውርደት ባሪይኡ ንዝረኣየ ነቲ ሓያል እባርኾ
ኣብቅድሚ ኣምላኸይ ጸጋ ረኺበየ'ሞ
ካብ ሕጂ ንዘልኣለም ንሽሙ'የ ዘኽብሮ
ምሕረቱ ነቶም ዝፈርህዎ ንውሉድ ወለዶ ይነብር ኢዩ'ሞ
ነብሰይ ንእግዚኣብሄር ደስ ኢሉዋ ተዕብዮ

እቲ ሓያል...