ብዘይ ብኣኻ (Bzey Beaka) - ዮናታንን ሶሱናን

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ዮናታንን ሶሱናን
(Yonatan and Sosna)

Lyrics.jpg


(Volume)

ኣይትምርመርን
(Aytmrmern)

ቁጥር (Track):

(2)

ርዝመት (Len.): 9:06
ሌሎች ፡ የአልበሙ ፡ መዝሙሮች
(Other Songs in the Album)
የዮናታንን ሶሱናን ፡ አልበሞች
(Albums by Yonatan and Sosna)

[ብዘይ ብኣኻ እንታይ ጽቡቅ ኣሎኒድዩ
ብዘይ ንስኻስ እንታይ ሰናይ ኣሎኒድዩ] /2
ኣምላኸይ ዕጋበተይ ብኣኻ'ዩ
የሱሰይ ትምክሕተይሲ ብኣኻ'ዩ
ፍትወይ ደው ምባለይ ካባኻ'ዩ
ጎይታየ ሰላመይ'ሲ ካባኻ'ዩ

ቀደምሲ ጎይታ ብዛዕባኻ ሰሚዐ'የ
ሕጂግን የሱስ ዓይነይ ብርግጽ ርእያትካ
ካባይ ገለ ሰናይ ዘይወጽእ እንከሎ
የሱስ ንስኻ ኩሉ ጽቡቕ [ትገብሮ] /7

ብዘይ ብኣኻ እንታይ ጽቡቅ ኣሎኒድዩ...

ካብቲ በላዒ ብልዒ ምውጻእ ልማድካ'ዩ
ታሪኽ ሂወት ሰብ ምልዋጥ ናትካ'ዩ
ንዓኻ ምርካብ ኩሉ ሰናይ ምርካብ'ዩ
ትሕቲ በረኸት ልዕሊ መርገም [ምውጻእ'ዩ] /7

ብዘይ ብኣኻ እንታይ ጽቡቅ ኣሎኒድዩ...

ከምዝጨንቀካ ኢድ ሰብ ከቶ ኣይተገልግለካን
ከይሃብካዮ ካብ ሰብ ጽቡቅ ሰናይ የለን
ምሉእ ጽቡቅ ውህበት ኩሉ ካባኻ'ዩ
ዕጋበተይ ኩሉ ትምክሕተይ [ብኣኻ'ዩ] /7

ብዘይ ብኣኻ እንታይ ጽቡቅ ኣሎኒድዩ...

ኣብ ልብኻ ካብ'ተሓሰብኩ ይኣኽለኒ
ኣብ ዓይንኻ ካብ ከበርኩ ይኣኽለኒ
ኣብ ኣእዳውካ ካብ ተወቀጥኩ ይኣኽለኒ
ኣብ የእዛንካ ካብ'ተሰማዕኩ [ይኣኽለኒ] /7