ብበረኸት ቤቱ (Bbereket Betu) - ዮናታንን ሶሱናን

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ዮናታንን ሶሱናን
(Yonatan and Sosna)

Lyrics.jpg


(Volume)

ኣይትምርመርን
(Aytmrmern)

ቁጥር (Track):

(5)

ርዝመት (Len.): 7:17
ሌሎች ፡ የአልበሙ ፡ መዝሙሮች
(Other Songs in the Album)
የዮናታንን ሶሱናን ፡ አልበሞች
(Albums by Yonatan and Sosna)

ብበረኸት ቤቱ ህይወተይ እናጽገበ
የንብረኒ ኣሎ ዓወት ተኸቢበ
ከምዚ ናተይ ናብራ ትነብሩ ዘለኹም
ኣእዳውኩም ኣልዕሉ ባርኹ ኣምላኽኩም /2

ኣምላኽይ /3 ደላዪ ጽቡቐይ
ኣምላኽይ /3 ፈታው ሰናየይ

እቲ ንህይወተይ ጽቡቕ ዝሓስበላ
ካባይ ኣብሊጹ ዝጥንቀቐላ
ካብ ክብሪ ናብ ክብሪ እናኣሰጋገረ
ኣብ ርእሲ ጸላእተይ እኔኹ ደው ኢለ /2

ኣምላኽይ...

ደጊም ዝሕዘኒ ኩሉ ዝኣስረኒ
ካባይ ኣንከራርዩ ፍጹም ተደንኪሉ
ካብ ቃቁራ ወጺኤ ገጸይ ዘርእየሉ
ምስጋና'ዩ ቋንቋይ ድምጸይ ዘስምዓሉ
ተመስገን'ዩ ቋንቋይ ድምጸይ ዘስምዓሉ
ተመስገን የሱስ ተመስገን የሱስ /2
ብዘይ ብኡ ቃላት የብለይን ንዓኻ ዝኸውን /2
ብዘይ ንሱ ቋንቋ የብለይን ንዓኻ ዝኸውን /2

ተመስገን'የ ዝብለካ [ደጋጊመ] /2
ተመስገን'የ ዝብለካ ደጋጊመ

ኩሉ ትገብረለይ እቲ ትሓስበለይ
እንታይ እንተበልኩኻ'የ ልበይ ዝዓርፈለይ
ኩሉ ካብ ኣእምሮይ ንላዕሊ ኮይኑኒ
ገለ እንተገለጽኩስ እኔኹ እቃኒ /2
ተመስገን'ዩ ቋንቋይ ድምጸይ ዘስምዓሉ
ተመስገን የሱስ ተመስገን የሱስ /2
ብዘይ ብኡ ቃላት የብለይን ንዓኻ ዝኸውን /2
ብዘይ ንሱ ቋንቋ የብለይን ንዓኻ ዝኸውን /2

ተመስገን'የ ዝብለካ [ደጋጊመ] /2
ተመስገን'የ ዝብለካ ደጋጊመ
ተባረኽ'የ ዝብለካ [ደጋጊመ] /2
ተባረኽ'የ ዝብለካ ደጋጊመ
ልዕል በል'የ ዝብለካ [ደጋጊመ] /2
ልዕል በል'የ ዝብለካ ደጋጊመ
ንገስ ንገስ እብለካ [ደጋጊመ] /2
ንገስ ንገስ እብለካ ደጋጊመ
ግዛእ ግዛእ እብለካ [ደጋጊመ] /2
ግዛእ ግዛእ እብለካ ደጋጊመ