ኣይትምርመርን (Aytmrmern) - ዮናታንን ሶሱናን

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ዮናታንን ሶሱናን
(Yonatan and Sosna)

Lyrics.jpg


(Volume)

ኣይትምርመርን
(Aytmrmern)

ቁጥር (Track):

(6)

ርዝመት (Len.): 8:01
ሌሎች ፡ የአልበሙ ፡ መዝሙሮች
(Other Songs in the Album)
የዮናታንን ሶሱናን ፡ አልበሞች
(Albums by Yonatan and Sosna)

ኣይትምርመርን ኩሉ ግን ትምርምር /4
ኩሉ [ከኣሊ] /3 ኩሉ ፈላጢ ገላጺ ናይ ውሽጢ

ስራሕካ ዘይምርመር ኣሰራርሓኻ
ንኹሉ ትምርምር ብሓደ ኣይትምርመርን ኢኻ
ምስትውዓልካ ሰፊሕ ወሰን ደረት ዘይብሉ
ኣእምሮኻ ስልጡን ደገፍ ኣየድልዮን ኢዩ

ኣይትምርመርን...

መንገደኻን ጎደናኻን ኣብ ባሕርን ማያትን'ዩ
ኣሰርካ ኣይተፈልጠን ወዳጀ መዓሙቅ'ዩ
ካብቲ መንገድኻስ እዚ ሓደጫፍ ጥራይ'ዩ
ብዛዕባኻ እንሰምዖ ሕሹኽሹኽ ክንደይ ቁሩብ'ዩ

ኣይትምርመርን...

ንወሰናት ምድሪ ፈጣሪ ዘይተመርማሪ
ኣይትመውት ኣይትደክም ዘልኣለማዊ
መሰረት ናይምድሪ ብትንፋስ ኣፍካ ትቀልዖ
ምድሪ ምስ ምልኣታ ብሓይሊ ቃልካ ጼርካዮ

ኣይትምርመርን...

የሱስ ብቃልን ብግብርን ከመይ ዝበልካ ከኣሊ
ፍቃድካ ክትገብር ዘይተረኽበካ ከልካሊ
ንዝመደብካዮ ምኽሪ ዘጸልምቶ መን'ዩ
ኣብ ሰማይ ኣብ ምድሪ ስልጣን ኩሉ ናትካ'ዩ

ኣይትምርመርን...