ኣምላኽ ሰማይ (Amlak Semay) - ዮናታንን ሶሱናን

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ዮናታንን ሶሱናን
(Yonatan and Sosna)

Lyrics.jpg


(Volume)

ኣይትምርመርን
(Aytmrmern)

ቁጥር (Track):

(7)

ርዝመት (Len.): 5:34
ሌሎች ፡ የአልበሙ ፡ መዝሙሮች
(Other Songs in the Album)
የዮናታንን ሶሱናን ፡ አልበሞች
(Albums by Yonatan and Sosna)

ኣሻሕ ኣእላፍ መላእኽትኻ ይሰግዱ'ለዉ ኣብ እግርኻ
ስልጣንን ሓይልን ናትካ'ዩ ግርማን ክብርን እናበሉ
ንሕና'ውን ኣብዛ ምድሪ ስለዘይብልካ መሳሊ
ነምልኸካ ተቃኒና ንባርኸካ ደው ኢልና

ኣምላኽ ሰማይ ንጉስ ኩላ ምድሪ /2
ስምካ ይባረኽ ኣብ ሰማይ ኣብ ምድሪ /2x

ግዝኣትካ ወሰን የብሉን ዕቤትካ ደረት የብሉን
'ታ መንግስትኻስ ህያው ኢያ ዘይትነቃነቅ 'ውን'ያ
ኣብ ሰማይ ኮነ ኣብምድሪ የለን ቦታኻ ዝትክኦ
ዙፋንካ ንዘልኣለም ጸኒዑ ይነብር ኣሎ

ኣምላኽ ሰማይ...

ኣታ እንፈትወካ ፍትውና ንባርኸካ ኣሎና
ስምካ ምምስጋን ክብርና ንሱ'ዩ ዓቢ ሓጎስና
ስለዚ ስቅ ኣይንብልን ምምስጋን ኣይነቋርጽን
ከቢርካ ክንርኢ ከሎና ብኡ ትዓግብ ሂወትና

ኣምላኽ ሰማይ...