ኣይጉደልካ ፡ ክብሪ (Aygudelka Kebri) - ዮናታንን ፡ ሶስናን

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ዮናታንን ፡ ሶስናን
(Yonatan and Sosna)

Lyrics.jpg


(5)

ኣገሪሙኒ
(Asgeramuni)

ዓ.ም. (Year): ፳ ፻ ፪ (2011)
ቁጥር (Track):

(4)


ሌሎች ፡ የአልበሙ ፡ መዝሙሮች
(Other Songs in the Album)
የዮናታንን ፡ ሶስናን ፡ አልበሞች
(Albums by Yonatan and Sosna)

ትማሊእኳ ዘሕለፍካኒ
ዘይስገር ዘስገርካኒ
ከመይ ኢለ እየ'ሞ ዝጠራጠረካ
ከይኮነ ግዳ አመስግነካ /5

የሱስ /4

ትማልን ሎሚን ንዘልኣልም ንስኻ ኢኻ
የሱስ ኣይተለወጥካን
ኣልፋን ኦሜጋን ቀዳማይ ዳሕራይ ንስኻ ኢኻ
የሱስ ኣይተለወጥካን

ብዝርእዮ ኣይፈርህን'የ
ብዝሰምዖ ኣይሰግእን'የ
ኣይሰቅልን'የ መሰንቆይ ኣብ ዑቦል
ልዕሊ ኩነታት ኢኻ እግዚኣብሄር /4

ኣይጉደልካ ክብሪ ኣይጉደልካ ክብሪ
ኣይጉደልካ ክብሪ ኣንታ ጐይታ ክብሪ
ኣይጉደልካ ኣምልኾ ኣይጉደልካ ኣምልኾ
ኣይጉደልካ ኣምልኾ ኣብ መቅደስካ ይእቶ

[ይሰዋእ ለይቲ ምስ መዓልቲ
ኣይጉደል ኣይጉደልካ ክብሪ] /2
ኣታ ብማህሌት እስራኤል እትነብር
ብምስጋና ህዝብኻ ትኸብር
ኣታ ብማህሌት እስራኤል እትነብር
ነፍሰይ ፈትያ ንኣኻ ትዝምር

ኣይጉደልካ ክብሪ...

[የብልካን የብልካን መሳሊ
የብልካን ኣብ ሰማይ ኣብ ምድሪ] /2
ኩሉ ብርኪ ንዓኻ ይምብርከኽ
ልሳን ዘበለ ክብርኻ ይኣምን
ኣነ ፈትየ ንኣኻ የምልኽ
ኩሉንትናይ ኣብ ቅድሜኻ የፍስስ

ኣቤት ኣቤት ኣቤት ኣቤት ኣቤት
ኣቤት ክብርኻ [ኣቤት] /3 የለን ከማኻ
ኣቤት ኣቤት ኣቤት ኣቤት ኣቤት
ኣቤት ዕብየትካ [ኣቤት] /3 መን ይመስለካ

[ዘይግለጽ ዕቤት'ዩ ዘሎካ
ዘይድፈር ልኡላውነትካ] /2
እልፊ ቃላት ኣይገልጾን ዕቤትካ
ስጋን ደምን መዓስ ይበጽሓካ
እልፊ ቃላት ኣይገልጾን ዕቤትካ
ስጋን ደምን መዓስ ይበጽሓካ