ከምቲ ፡ ብዙሕ ፡ ምርኮ (Kemti Bizuh Mirko) - ዮናታን ፡ ኣብርሃምን ፡ ሶስና ፡ ሳሙኤልን

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ዮናታን ፡ ኣብርሃምን ፡ ሶስና ፡ ሳሙኤልን
(Yonatan and Sosna)

Lyrics.jpg


(Volume)

ኣሰራርሓኻ ፡ ፍሉይ
(Aserarhaka Fluy)

ቁጥር (Track):

፲ ፪ (12)


ሌሎች ፡ የአልበሙ ፡ መዝሙሮች
(Other Songs in the Album)
የዮናታን ፡ ኣብርሃምን ፡ ሶስና ፡ ሳሙኤልን ፡ አልበሞች
(Albums by Yonatan and Sosna)

ንስኻ ፡ በይንኻ ፡ ጥራይ'ኻ
ምንጪ ፡ ሓጐሰይ
ንስኻ ፡ በይንኻ ፡ ጥራይ'ኻ
ምንጪ ፡ ሰላመይ
ንስኻ ፡ በይንኻ ፡ ጥራይ'ኻ
ምንጪ ፡ ጽቡቐይ

ምእሉ ፡ ውህበት ፡ ጽቡቕ ፡ ውህበት ፡ ካባኻ'ዩ
፡ካብቲ ፡ ለውጢ ፡ ወይስ ፡ ምምላስ ፡ ጽላሎት ፡ ዘይብሉ

ንብዓተይ ፡ ደሪዝካ ፡ ኣጆኻ ፡ ትብለኒ
ከይደክም ፡ ከይሕለል ፡ ብኢደይ ፡ ትሕዘኒ
በትርኻን ፡ ምርኩስካን ፡ የጸናንዓኒ
ንስኻ ፡ ምሳይ ፡ ኢኻ ፡ እንታይ ፡ ከይገጥመኒ

(ነብሰይ ፡ ክትዝምረልካ ፡ መታን ፡ ስቅ ፡ ከይትብል ፡ ኢልካ
ብኽያተይ ፡ ሳሕቂ ፡ ለዊጥካ ፡ ማእሰረይ ፡ ኩሉ ፡ ፈቲሕካ) /2

[ከምቲ ፡ ብዙሕ ፡ ምርኮ ፡ ዝማረኸ
ልበይ ፡ ብኣኻ ፡ ይሕጎስ ፡ ኣሎ] /2
ይሕጎስ ፡ ኣሎ ፡ ብኣኻ ፡ ይሕጎስ ፡ ኣሎ /2

ጽድቕን ፡ ፍርድን ፡ ኣብ ፡ ምድሪ ፡ ምግባርካ
ብኡ'የ ፡ ዝሕጎስ ፡ ብኡ'የ ፡ ዝፍሳሕ
ብዝርአ ፡ ኣይኮነን ፡ ብንብረት 'ዛ ፡ ዓለም
ንሱስ ፡ ሓላፊኢ'ዩ ፡ ነባሪ ፡ ኣይኮነን

(ኣብ ሰማይን ንዓኻ ምርካበይ ኣብ ምድሪ ዝደልዮ ነይብለይ
ትምክሕተይ ንስኻ ኢኻ ኩሉ ግዜ ይሕጎስ ብኣኻ] /2

[ከምቲ ብዙሕ ምርኮ ዝማረኸ
ልበይ ብኣኻ ይሕጎስ ኣሎ] /2
ይሕጎስ ኣሎ ብኣኻ ይሕጎስ ኣሎ /2

ናብራ ናትካ ኣይምኖን ኣዚዩ ይጥዕመኒ
ኩሉ ግዜ ሓድሽ ሓድሽ ይኾነኒ
ቀቅድመይ ሓሊፍካ ኩሉ ተስልጠለይ
ጎዶሎይ ትመልእ ተጸግዋ ነፍሰይ
[ምሕረት ፍቕርኻ ይስዕባኒ ብዋልታ ጸጋ እኸባኒ
ይጠብቕ ኩሉ ግዚ ኣባኻ ኣይርሕቅ ንኣይፍለን ካባኻ] /2

[ከምቲ ብዙሕ ምርኮ ዝማረኸ
ልበይ ብኣኻ ይሕጎስ ኣሎ] /2
ይሕጎስ ኣሎ ብኣኻ ይሕጎስ ኣሎ /2