እየሱስ ኢለ (Eyesus ile) - ዮናታን፣ ሶሱና

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ዮናታን፣ ሶሱና
(Yonatan and Sosna)

Lyrics.jpg


(Volume)

አልበም
(Aserarehakha feluy)

ዓ.ም. (Year): 2008
ቁጥር (Track):

(5)

ርዝመት (Len.): 5:58
ሌሎች ፡ የአልበሙ ፡ መዝሙሮች
(Other Songs in the Album)
የዮናታን፣ ሶሱና ፡ አልበሞች
(Albums by Yonatan and Sosna)

የሱስ ኢለ ስሙ ጸዊዐ
ሓይለይ ተሓዲሱ ካብ ድኻም በርቲዔ
የሱስ ኢለ ስሙ ጸዊዐ
ምልኮይ ተመሊሱ ጸላእተይ ስዒረ

እወ ስሙ ፈውሰይ ኢዩ
እወ ስሙ ሰላመይ'ዩ
እወ ስሙ ዕረፈተይ'ዩ
እወ ስሙ ህይወተይ'ዩ
ከይጸዋዕክዎ ኣይውዕልን ከይጸዋዕክዎ ኣይሓድርን
ብዘይ ብኡ ዘይኮነለይ ድቃስ የብሎምን ዋሃዮታተይ /2

የሱስ /4
ዘይምኖ ስም ዘይጽገብ ስም
ዘይምኖ ስም ዘይጽገብ ስም
መመሊሰ እጽውዖ የሱስ ይብል
መመሊሰ እጽውዖ የሱስ ይብል

እወ ስሙ ዝፈስስ ቅብኢ
እወ ስሙ ዝማርኽ ፍቕሪ
እወ ስሙ ጽኑዕ ግምቢ
እወስሙ ሞጎስ ወሃቢ
ስሙ ጸዊዔ ኣይሓፈርኩን
ዘሕፍር ኣምላኽ ኣየምለኽኩን
ኣብ ልዕሊ ማያት መንገዲ ኣለዎ
ምስጢር ዓወትይ የሱስ'ዩ'ሞ
ኣብ ልዕሊ ማያት መንገዲ ኣለዎ
ምስጢር ዓወትይ ስሙ'ዩ'ሞ

የሱስ /4
ዘይምኖ ስም ዘይጽገብ ስም
ዘይምኖ ስም ዘይጽገብ ስም
መመሊሰ እጽውዖ የሱስ ይብል
መመሊሰ እጽውዖ የሱስ ይብል

እወ ስሙ ሓይለይ ኢዩ
እወ ስሙ ክብረይ ኢዩ
እወ ስሙ ትምክሕተይ'ዩ
እወ ስሙ ስልጣነይ'ዩ
ዓወት ብዓወት ዝመርሓኒ ልዕሊ ጸላእተይ ደው ዘብለኒ
መልኮታዊ ሓይሊ ኣብ ስሙ'ሎ ዝስመ ዘበለስም ዝግዝኦ /2

የሱስ /4
ዘይምኖ ስም ዘይጽገብ ስም
ዘይምኖ ስም ዘይጽገብ ስም
መመሊሰ እጽውዖ የሱስ ይብል
መመሊሰ እጽውዖ የሱስ ይብል