ኣሎኒ (Aloni) - ዮናታን፣ ሶሱና

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ዮናታን፣ ሶሱና
(Yonatan and Sosna)

Lyrics.jpg


(Volume)

አልበም
(Aserarehakha feluy)

ዓ.ም. (Year): 2008
ቁጥር (Track):

(4)

ርዝመት (Len.): 6:56
ሌሎች ፡ የአልበሙ ፡ መዝሙሮች
(Other Songs in the Album)
የዮናታን፣ ሶሱና ፡ አልበሞች
(Albums by Yonatan and Sosna)

ኣሎኒ ምኽንያት ኣሎኒ ኣሎኒ ውሬታ ኣሎኒ /2
ዘሚሮም ኢለ ኣይዝምርን'የ ልማድ ኣይኮንኩን ዘመስግን ኣነ /2
ከምዘይተገብረሉ ስቅ ኣይብልን ተጌሩለይ ኢዩ'ሞ እዝምር /2

ልበይ ኣውዲቐ ተደጊፈካ
ከቶ ኣይሰጋእኩን ብኸኣልነትካ
ልበይ ኣውዲቐ እንድየ ተደጊፈካ
ከቶ ኣይሰጋእኩን ብኸኣልነትካ
[ኣየሕፈርካንን ተወኪለካ
ኣመኪሕካኒ ተመኪሐልካ] /2

ኣሎኒ ምኽንያት ኣሎኒ ኣሎኒ ውሬታ ኣሎኒ /2
ዘሚሮም ኢለ ኣይዝምርን'የ ልማድ ኣይኮንኩን ዘመስግን ኣነ /2
ከምዘይተገብረሉ ስቅ ኣይብልን ተጌሩለይ ኢዩ'ሞ እዝምር /2

ብናይ መስቀል ፍቅሪ 'ዶ ክጅምሮ
ኣየን ገዲፈ ኣየናይ ክገልጾ
ብናይ መስቀል ስራሕ 'ዶ ክጅምሮ
ኣየን ገዲፈ ኣየናይ ክገልጾ
ሓንቲ መዓልቲ ኢድካ ዘይብሉ
ኣይፈልጥን'የ ዘመነይ ኩሉ
ሓንቲ መዓልቲ'ኳ ኢድካ ዘይብሉ
ኣይፈልጥን'የ ዘመነይ ኩሉ

ኣሎኒ ምኽንያት ኣሎኒ ኣሎኒ ውሬታ ኣሎኒ /2
ዘሚሮም ኢለ ኣይዝምርን'የ ልማድ ኣይኮንኩን ዘመስግን ኣነ /2
ከምዘይተገብረሉ ስቅ ኣይብልን ተጌሩለይ ኢዩ'ሞ እዝምር /2

ምኽሪ መኺሮም ምስደርበዩኒ
እስኪ እንታይ ይኹን ሕልሙ እቲ ሓላሚ
ምሟቱ ኣይተርፎን'ዩ ጉድጓድ ተደርብዩ
እና ተብህለ ግና ኣብ ክብሪተራእዩ
[ከይተፈጸመ ሕልሙ ነይመውት
ዝወርሶ'ለዎ ብዙሕ በረኸት] /2

ኣሎኒ ምኽንያት ኣሎኒ ኣሎኒ ውሬታ ኣሎኒ /2
ዘሚሮም ኢለ ኣይዝምርን'የ ልማድ ኣይኮንኩን ዘመስግን ኣነ /2
ከምዘይተገብረሉ ስቅ ኣይብልን ተጌሩለይ ኢዩ'ሞ እዝምር /2