ንውርደተይ ዝዘከርካ - ብዘማሪ ዮሃንስ ምስግና (n'wrdetey z'zekerka - Yohannes Misgna)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
Broom.png ይህ ፡ ጽሑፍ ፡ ገና ፡ አልተረጋገጠም ። እርማቶች ፡ ሊያስፈልጉት ፡ ይችላል ። ከቻሉ ፡ እርስዎ ፡ ያሻሽሉት
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

ንውርደተይ ዝዘከርካ ንንብዓተይ ዝደረዝካ
ኣምላኽ ምንጋፈይ አመስግነካ (2)

                የሱስ ይሓልፍ ኣሎ ምስ ሰማዕኩ ንኽፍውሰኒ ዓው ኢለ ጨደርኩ
                ሰባት ተንሲኦም ክገንሑኒ ንኸይፍወስ ስቕ በል ክብሉኒ
                ተጸዊዕካ የሱስ ናዝራዊ ፈዊስካኒ ዓይነይ ክርኢ
                ከም ሰብ ዘይኮነ’ቲ ባህሪኻ ኣምላኽ ምንጋፈይ አመስግነካ

ነፍሰይ ንኣምላኽ ኣመስግንዮ ዝገበረልኪ ኣይትረስዕዮ
ሰናይ’ዩ ሰናይ ሰናይ ብሓቂ እሙን ኣምላኽ’ዩ እቲ ዘፍቀረኪ

                ኩላቶም ንሞት ፈሪዶምኺ ዳርባ እምኒ’ልዒሎም ክቀትሉኺ
                የሱስ ግና ክንዳኺ ደው ኢሉ ኣናጊፉኪ ዕዳኺ ከፊሉ
                ኣምላኽ ሰማይ ዓቢ ነገር ጌሩልኪ ነፍሰይ ብጎይታ ኣዚዩ ባህ ይበልኪ
                እቲ ሓያል ዓቢ ነገር ጌሩልኪ ኣመስግንዮ በገናኺ ኣልዕሊ

ነፍሰይ ንኣምላኽ ኣመስግንዮ ዝገበርልኪ ኣይትረስዕዮ
ሰናይ’ዩ ሰናይ ሰናይ ብሓቂ እሙን ኣምላኽ’ዩ እቲ ዘፍቀረኪ

                ኣብ ምድረበዳ ህያው ጽላልኪ ዓይኒ ማይ ከፊቱ ዘተርክሰኪ
                ዝኾነ እዋን ከይተፈለየ ይመርሓኪ’ሎ እናታተየ
                ተስፋኺ ንሱ’ዩ ደራዝ ንብዓትኪ ጸዊዕክዮ ዝመለሰልኪ
                ክብረይ ተንስኢ ኣመስግንዮ ፍቅሩ እንዳዘከርኪ ወጋሕታ ኣንቅሕዮ

ነፍሰይ ንኣምላኽ (ንጎይታ) ኣመስግንዮ ዝገበርልኪ ኣይትረስዕዮ
ሰናይ’ዩ ሰናይ ሰናይ ብሓቂ እሙን ኣምላኽ’ዩ እቲ ዘፍቀረኪ