ዮናታን ሶሱና _ ኤቨን ኤዘር (evenezer)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

ዮናታን ሶሶና __ ኤቨን ኤዘር

አነስ አይረሳዕኩን ሕሉፍ: እቲ ናይ ትማሊ
ብመን ድየ ሰጊረዮ እቲ ዓቢ ቀጸሪ x2

ንቀጽሪ እንዳዝለለ:ሰራዊት ዘጥሕስ
ንሱ እንድዩ ጌሩኒ ንቕድሚት ክግስግስ:ብሓይሊ ክግስግስ
እብል አለኹ: ኤቨን ኤዘር እዩ እግዚአብሄር
እብል አለኹ : ረዲኤተይ እዩ እግዚአብሄር x2

ነቲ ማራ እንዳመቀረ:ምድረ በዳ እንዳለምለመ
ዝኸብደኒ እንዳቕለለ: ብዘይፈልጦ እንዳሳገረ x2
አሳጊሩኒ x2 ኤቨን ኤዘር አብዚ አብጺሑኒ
ረዲኡኒ ተሰኪሙኒ : ስሙ ይክበር አብዚ አብጺሑኒ

እዚ ዘለክዎ ሎሚ:አይኮነን ብሓይለይ
መንፈሱ ረዲኡኒ:ኮይኑኒ እዩ አቅመይ x2

ነንመዓልቲ ጾር:ጾረይ እንዳጾረ
ብዓወት አውጺኡኒ ሞጎስ እንዳሃበ : ጸላእተይ እንዳሕፈረ
እብል አለኹ: ኤቨን ኤዘር እዩ እግዚአብሄር
እብል አለኹ : ረዲኤተይ እዩ እግዚአብሄር x2

መዓስ ብሓይሊ:መዓስ ብክእለት
ተሰጊሩ እቲ ከቢድ ኩነታት
ቅድመይ እንዳወጸ:አኽራን ይምድምድ
ብቕቡቕ / ሜዳ ይገብሮ : መታን ክሓልፍ አነ x2

ጽባሕ ውን አይጥርጥሮን እየ: ከስግረኒ እዩ ይአምኖ እየ
ዝጀመሮ ባዕሉ ይፍጽም:ጀማሪ እምነተይ ንሱ ይድምድም x2

አሳጊሩኒ x2 ኤቨን ኤዘር አብዚ አብጺሑኒ
ረዲኡኒ ተሰኪሙኒ : ስሙ ይክበር አብዚ አብጺሑኒ

እብል አለኹ: ኤቨን ኤዘር እዩ እግዚአብሄር
እብል አለኹ : ረዲኤተይ እዩ እግዚአብሄር x2