የሱስ ፡ እሙን ፡ መራሒ (Yesus Imun Merahi)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

፩) ካብ ፡ መገደይ ፡ ከይዝንብል ፡ ኣብ ፡ ኣበሳ ፡ ከይወድቕ
   ምርሓኒ ፡ የሱሰይ ፡ መገደይ ፡ ከቕንዕ
   ኣብ ፡ ዝኸድኩ ፡ እንተኸድኩ ፡ ኣብ ፡ ዝኾነ ፡ ቦታ
   ንስኻ ፡ ህይወተይ ፡ ኩና ፡ ጽኑዕ ፡ ዋልታ

ተደራሚ፦ የሱስ ፡ እሙን ፡ መራሒ
ዎ ፡ ናይ ፡ ዘልኣለም ከውሒ
ንስኻ ፡ ትውክልተይ
መራሒ ፡ ህይወተይ (፪)

፪) ኣብዚ ፡ ክፉእ ዘበን ፡ ምርሓኒ ፡ ባዕልኻ
   አልዕል ፡ ኣሎኹ ፡ ኣዒንተይ ፡ ናባኻ
   ዝውከሎ ፡ የለን ፡ የሱስ ፡ ብዘይካኻ
   እውከል ፡ ኣሎኹ ፡ ኣብቲ ፡ እሙን ፡ ተስፋኻ

ተደራሚ፦ የሱስ ፡ እሙን ፡ መራሒ
ዎ ፡ ናይ ፡ ዘልኣለም ከውሒ
ንስኻ ፡ ትውክልተይ
መራሒ ፡ ህይወተይ (፪)

፫) ሃብቲ ፡ ኮነ ፡ ክብረት ፡ ንዓይ ፡ ኣይጠቕመንን
    ዕረፍትን ፡ ሰላምን ፡ ህይወት ፡ ኣይህበንን
    ኩሉ ፡ ብዘይካኻ ፡ ከንቱ ፡ ናይ ፡ ከንቱነት
    የሱሰይ፡ ንስኻ ፡ ናይ ፡ ህይወት ፡ መሰረት

ተደራሚ፦ የሱስ ፡ እሙን ፡ መራሒ
ዎ ፡ ናይ ፡ ዘልኣለም ከውሒ
ንስኻ ፡ ትውክልተይ
መራሒ ፡ ህይወተይ (፪)