ይቕረ ፡ በለሊና (Yeqere Belelina)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

፩) ዓይኒ ፡ ማይ ፡ ገዲፉ ፡ ጉድጓድ ፡ ክኹዕት
ብሃሩር ፡ ቀትሪ ፡ ከሕለሉ ፡ ብጽምኢ ፡ ክመውት
ፍጥረት ፡ ላዕሊ ፡ ታሕቲ ፡ ከዕለብጥ ፡ ብዙሕ ፡ ክህውትት
መን ፡ ኣሎ ፡ ዝረድእ ፡ ከማኻ ፡ ኣምላኽ ፡ ኣቦ ፡ ምሕረት

ተደጋሚ፦ ይቕረ ፡ በለሊና ፡ ወድኣዮ ፡ ንመከራና
ዘመን ፡ ሰላምን ፡ ዕረፍትን ፡ ምሥጋናን
ጐይታ ፡ ስደድልና

፪) ኣብ ፡ ምድረ ፡ በዳ ፡ በረኻ ፡ ማና ፡ ዝነምካ
ከውሒ ፡ ስንጢቕካ ፡ ዘርዌኻ ፡ ጽምኢ ፡ ሕዝብሓ
ሎሚ'ውን ፡ ሰልጥን ፡ ተገለጽ ፡ ብሓትያክ ፡ ቅልጽምካ
ካብ ፡ ጥሜት ፡ ውግእ ፡ ፌራ ፡ ኣዕርፎ ፡ ሕዝብኻ ።

ተደጋሚ፦ ይቕረ ፡ በለሊና ፡ ወድኣዮ ፡ ንመከራና
ዘመን ፡ ሰላምን ፡ ዕረፍትን ፡ ምሥጋናን
ጐይታ ፡ ስደድልና

፫) ንረሃብ ፡ ዝቆራረጽካ ፡ ንገበል ፡ ዝወጋእኻ
ናይ'ቲ ፡ ብርቱዕ ፡ መዓሙቕ ፡ ማያት ፡ ዓይኒ ፡ ዘንጸፍካ
ሎሚ'ውን ፡ ንማእስር ፡ ግፍዒ ፡ ሕዝብኻ ፡ ፍታሕ
ዎቕልጽም ፡ እግዚአብሔር ፡ ንቓሕ ፡ ንቓሕ ።

ተደጋሚ፦ ይቕረ ፡ በለሊና ፡ ወድኣዮ ፡ ንመከራና
ዘመን ፡ ሰላምን ፡ ዕረፍትን ፡ ምሥጋናን
ጐይታ ፡ ስደድልና