ዎ ፡ ኣምላኽይ ፡ ድሌት ፡ ልበይ ፡ ፈጽመለይ (Wo Amlakey Deliet Lebey Fetsmeley)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

፩) ጽብቅቲ ፡ ዕምባባ ፡ ኣታ ፡ ኽልትኻ
እትሕጐሰላ ፡ ምስ ፡ ኣሽተትካ
ትዓግበላ ፡ ቋሕ ፡ ኢልካ ፡ ምስ ፡ ጠመትካ
ትኩን ፡ ዕሸል ፡ ሕይወተይ ፡ ሓደራኻ

ተደጋሚ፦ ዎ ፡ ኣምላኽይ ፡ ድሌት ፡ ልበይ ፡ ፈጽመለይ

፪) ንዚጠፋኡ ፡ናባኻ ፡ ትመልሰላ
ኣፍካ ፡ ዀይና ፡ ቃልካ ፡ እትነግረላ
ጥቅው ፡ መሳሪያ ፡ እትጥቀመላ
ትኹን ፡ ሕይወተይ ፡ ንአኻ ፡ብዅላ

ተደጋሚ፦ ዎ ፡ ኣምላኽይ ፡ ድሌት ፡ ልበይ ፡ ፈጽመለይ

፫) ፈውሲ ፡ ልቢ ፡ ንዘፍቅሮም ፡ ወደለይ
ጽጋብ ፡ ዐይኒ ፡ ንኽሎም ፡ መጋውርተይ
ሙቕት ፡ ነፍሲ ፡ ንኽሎም ፡ መሓዙተይ
ክኽውንሲ ፡ ኣብቅዓኒ ፡ ኣምላኽይ

ተደጋሚ፦ ዎ ፡ ኣምላኽይ ፡ ድሌት ፡ ልበይ ፡ ፈጽመለይ

፬) ካብ ፡ ዕቅፋት ፡ ብቅድሚተይ ፡ መራሒ
ካብ ፡ ጸላኢ ፡ ብድህሪተይ ፡ ሓላዊ
ኣብ ፡ ውግኤይ ፡ ኩሉ ፡ ዓወት ፡ ወሃቢ
ብጸገመይ ፡ ኲነኒ ፡ መጸግዒ

ተደጋሚ፦ ዎ ፡ ኣምላኽይ ፡ ድሌት ፡ ልበይ ፡ ፈጽመለይ