ጸሎት ፡ ሰሚዑ ፡ ዝምልስ (Tselot Semiu Zemeles)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

፩) ቁዝማ ፡ ህዝቡ ፡ ዝሰምዕ
   ዝኣተዎ ፡ ኪዳን ፡ ዘይርስዕ
   እግዚኣብሔር ፡ ዘኪሩና
   ይእከል ፡ ኢልዎ ፡ ባርነትና

ተደጋሚ፦ እግዚኣብሔር ፡ ጸሎት ፡ ሰሚዑ ፡ ዝምል
ንብዓት ፡ ኣዒንቲ ፡ ዝደርዝ
ንሕዙን ፡ ልቢ ፡ ዘሐጉስ
ምዃኑ ፡ ነፍሰይ ፡ ጥዒማቶ
ኣፋ ፡ ከፊታ ፡ ኣመስጊናቶ

፪) ብለሰ ፡ ብኽያት ፡ ክሓልፍ
   ደኺመ ድሕሪት ፡ ከይተርፍ
   ንብዓት ፡ ካብ ፡ ኣዒንተይ ፡ ደሪዝዎ
   ንድኹም ፡ ሓይለይ ፡ ሓዲስዎ
 
ተደጋሚ፦ እግዚኣብሔር ፡ ጸሎት ፡ ሰሚዑ ፡ ዝምል
ንብዓት ፡ ኣዒንቲ ፡ ዝደርዝ
ንሕዙን ፡ ልቢ ፡ ዘሐጉስ
ምዃኑ ፡ ነፍሰይ ጥዒማቶ
ኣፋ ፡ ከፊታ ፡ ኣመስጊናቶ


፫) ሓዊ ፡ ኣውሪዱ ፡ ዝምልስ
   ሕማም ፡ ናይ ፡ ልቢ ፡ ዝፍውስ
   ብዚሑ ፡ ጸጋ ፡ ዘፍስስ
   ኣይተለወጠን ፡ ኣምላኽ ፡ ኢልያስ

ተደጋሚ፦ እግዚኣብሔር ፡ ጸሎት ፡ ሰሚዑ ፡ ዝምል
ንብዓት ፡ ኣዒንቲ ፡ ዝደርዝ
ንሕዙን ፡ ልቢ ፡ ዘሐጉስ
ምዃኑ ፡ ነፍሰይ ፡ጥዒማቶ
ኣፋ ፡ ከፊታ ፡ ኣመስጊናቶ

፬) ኣብ ፡ ደረቕ ፡ ምድሪ ፡ ጠለለት
   ጽጋብ ፡ ዝኸውን ፡ ብጥሜት
   መዝገብ ፡ ናይ ፡ ሰማይ ፡ ከፊቱ
   ኣፍሲሱለይ‘ቲ ፡ ጽቡቕ ፡ ውህበቱ

ተደጋሚ፦ እግዚኣብሔር ፡ ጸሎት ፡ ሰሚዑ ፡ ዝምል
ንብዓት ፡ ኣዒንቲ ፡ ዝደርዝ
ንሕዙን ፡ ልቢ ፡ ዘሐጉስ
ምዃኑ ፡ ነፍሰይ ፡ ጥዒማቶ
ኣፋ ፡ ከፊታ ፡ ኣመስጊናቶ

፭) ጸላእቲ ፡ ጽድቂ ፡ ተላዕሉኒ
   ካብ ኣምላኽ ፡ ፈልዮም ፡ ከጥፍኡኒ
   እግዚኣብሔር ፡ ረዲኡኒ
   ምህለላይ ፡ ሰሚዑ ፡ ኣድሒኑኒ

ተደጋሚ፦ እግዚኣብሔር ፡ ጸሎት ፡ ሰሚዑ ፡ ዝምል
ንብዓት ፡ ኣዒንቲ ፡ ዝደርዝ
ንሕዙን ፡ ልቢ ፡ ዘሐጉስ
ምዃኑ ፡ ነፍሰይ ፡ ጥዒማቶ
ኣፋ ፡ ከፊታ ፡ ኣመስጊናቶ

፮) ጸግዕን ፡ ዋልታን ፡ ኮይኑኒ
   በቲንዎም ፡ ንዝኸበቡኒ
   ኣብ ፡ ውግኤይ ፡ ተሰሊፉለይ
   ይኽበር ፡ ይመስገን ፡ መድሕነይ

ተደጋሚ፦ እግዚኣብሔር ፡ ጸሎት ፡ ሰሚዑ ፡ ዝምል
ንብዓት ፡ ኣዒንቲ ፡ ዝደርዝ
ንሕዙን ፡ ልቢ ፡ ዘሐጉስ
ምዃኑ ፡ ነፍሰይ ፡ ጥዒማቶ
ኣፋ ፡ ከፊታ ፡ ኣመስጊናቶ