From WikiMezmur: Mezmur Lyrics
|
|
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች (Other Classic Mezmur Lyrics)
|
|
፩) ‘ቲ ፡ ዝጸውዓኩም ፡ ኣምላኽ ፡ እሙን ፡ እዩ
ተስፋኡ ፡ ዘይጠልም ፡ ወትሩ ፡ ህያው ፡ እዩ
ከምቲ ፡ ዘተስፈዎ ፡ ክሳዕ ፡ ወሰን ፡ ምድሪ
ኣይፍለን ፡ ካባኹም ፡ ብሓጎስ ፡ ብጓሂ
፪) መገዲ ፡ የዳሉ ፡ ሓሊፉ ፡ ቅድሜኹም
ብሓጎስ ፡ ክትዓዩ ፡ መታን ፡ ክሰልጠኩም
ከድሕነኩም ፡ እዩ ፡ ካብ ፡ ውዲት ፡ ጸላኢ
ይሓልየልኩም ፡ ድማ ፡ ብስጋ ፡ ብነፍሲ
፫) ብኸብዲ ፡ እግርኹም ፡ እተረግጸ ፡ ኹሉ
ኣብ ፡ ኢድኩም ፡ ይበኩም ፡ ብርሃን ፡ ክትኽልሉ
ዝተዛረብኩምዎ ፡ ናይ ፡ ኣምላኽ ፡ ቃል ፡ ኩሉ
ኣብ ፡ ፍረ ፡ የብጽሖ ፡ መንፈሱ ፡ ኣዝኒቡ
፬) ፍረ ፡ ‘ተደንጎየ ፡ ተስፋ ፡ ከይቆረጽኩም
ብእምነት ፡ ዕየዩ ፡ እናተጸቤኹም
ብንብዓት ፡ ትወፍሩ ፡ ዘራእትኹም ፡ ሒዝኩም
ብሓጎስ ፡ ትመጹ ፡ ምህርቲ ፡ ሓፊስኩም
|