‘ቲ ፡ ዝጸውዓኩም ፡ ኣምላኽ ፡ እሙን ፡ ኢዩ (Ti Zetseweakum Amlakh Emun Eyu)

From WikiMezmur: Mezmur Lyrics
Jump to: navigation, search
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

፩) ‘ቲ ፡ ዝጸውዓኩም ፡ ኣምላኽ ፡ እሙን ፡ እዩ
   ተስፋኡ ፡ ዘይጠልም ፡ ወትሩ ፡ ህያው ፡ እዩ
   ከምቲ ፡ ዘተስፈዎ ፡ ክሳዕ ፡ ወሰን ፡ ምድሪ
   ኣይፍለን ፡ ካባኹም ፡ ብሓጎስ ፡ ብጓሂ

፪) መገዲ ፡ የዳሉ ፡ ሓሊፉ ፡ ቅድሜኹም
   ብሓጎስ ፡ ክትዓዩ ፡ መታን ፡ ክሰልጠኩም
   ከድሕነኩም ፡ እዩ ፡ ካብ ፡ ውዲት ፡ ጸላኢ
   ይሓልየልኩም ፡ ድማ ፡ ብስጋ ፡ ብነፍሲ

፫) ብኸብዲ ፡ እግርኹም ፡ እተረግጸ ፡ ኹሉ
   ኣብ ፡ ኢድኩም ፡ ይበኩም ፡ ብርሃን ፡ ክትኽልሉ
   ዝተዛረብኩምዎ ፡ ናይ ፡ ኣምላኽ ፡ ቃል ፡ ኩሉ
   ኣብ ፡ ፍረ ፡ የብጽሖ ፡ መንፈሱ ፡ ኣዝኒቡ

፬) ፍረ ፡ ‘ተደንጎየ ፡ ተስፋ ፡ ከይቆረጽኩም
   ብእምነት ፡ ዕየዩ ፡ እናተጸቤኹም
   ብንብዓት ፡ ትወፍሩ ፡ ዘራእትኹም ፡ ሒዝኩም
   ብሓጎስ ፡ ትመጹ ፡ ምህርቲ ፡ ሓፊስኩም