ተጠቐመለይ ፡ ጎይታ ፡ ንኽብርኻ (Teteqmeley Goyta Nehebreha)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

፩) ከም ፡ በትሪ ፡ ናይ ፡ ሙሴ ፡ ኣብ ፡ ኣጻምእ ፡ ቦታ
   ህዝብኻ ፡ ኣስቲኻ ፡ ክብርኻ ፡ ዝገለጽካ
   ኣነ’ውን ፡ እኔኹ ፡ ቃልካ ፡ ንዝጸምኡ
   ቃልካ ፡ ከቕርበሎም ፡ ተጠቐመለይ ፡ ከምኡ

ተደጋሚተጠቐመለይ ፡ ጎይታ ፡ ንኽብርኻ (፪)
ተዳልየ ፡ ኣለኹ ፡ እኔኹ ፡ ባርያኻ
ጎይታይ ፡ ንኽብርኻ ፡ ተጠቐመለይ ፡ ኢኻ

፪) ከም ፡ ኣብ ፡ ሰራጴታ ፡ ናይ ፡ ሴዶን ፡ መበለት
   ኤልያስ ፡ ዝመገበት ፡ ብፍቕሪ ፡ ብእምነት
   ኣነውን ፡ እኔኹ ፡ ንዝጠምዩ ፡ ቃልካ
   ቃልካ ፡ ከቕርበሎም ፡ ተጠቐመለይ ፡ ኢኻ

ተደጋሚተጠቐመለይ ፡ ጎይታ ፡ ንኽብርኻ (፪)
ተዳልየ ፡ ኣለኹ ፡ እኔኹ ፡ ባርያኻ
ጎይታይ ፡ ንኽብርኻ ፡ ተጠቐመለይ ፡ ኢኻ

፫) ከም ፡ ጻዕብ ፡ የሩሳሌም ፡ ኣብ ፡ ኣገልግሎትካ
   ዝተጠቐምካላ ፡ ንምግላጽ ፡ ክብርኻ
   ኣነውን ፡ እኔኹ ፡ ጎይታይ ፡ ንኽብርኻ
   ኣብ ፡ ኩሉ ፡ ዕዮኻ ፡ ተጠቐመለይ ፡ ኢኻ

ተደጋሚተጠቐመለይ ፡ ጎይታ ፡ ንኽብርኻ (፪)
ተዳልየ ፡ ኣለኹ ፡ እኔኹ ፡ ባርያኻ
ጎይታይ ፡ ንኽብርኻ ፡ ተጠቐመለይ ፡ ኢኻ

፬) ከም ፡ ጃልባ ፡ ኣብ ፡ ባሕሪ ፡ ህዝብኻ ፡ ንምምሃር
   ዝተጠቐምካላ ፡ ቃልካ ፡ ንምብሳር
   ኣነውን ፡ እኔኹ ፡ ተዳልየ ፡ ባርያኻ
   ቃልካ ፡ ንምዝርጋሕ ፡ ተጠቐመለይ ፡ ኢኻ

ተደጋሚተጠቐመለይ ፡ ጎይታ ፡ ንኽብርኻ (፪)
ተዳልየ ፡ ኣለኹ ፡ እኔኹ ፡ ባርያኻ
ጎይታይ ፡ ንኽብርኻ ፡ ተጠቐመለይ ፡ ኢኻ