ተመስገን ፡ ኢየሱስ ፡ መፍቀሪና (Temesgen Eyesus Mefqerina)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

ከም ፡ ሓሳብ ፡ ናይ ፡ ጸላኢሲ ፡ ካብዛ ፡ ምድሪ ፡ ምጸነትና
ሰዓኢ ፡ ኢየሱስ ፡ ጐይታ ፡ ግን ፡ አብ ፡ ኢዱ ፡ አይውፈየናን
ብሒደትን ፡ ብብዙሕን ፡ ፈተና'ኳ'ንተ ፡ ሓለፍና
ሳላ ፡ ምሕረቱን ፡ ጸግኡን ፡ እንሆ ፡ አብዚ ፡ በቂዕና

ተደጋሚ፦ ተመስገን ፡ ኢየሱስ ፡ ተመስገን
ተመስገን ፡ ጐይታ ፡ ተመስገን
ተመስገን ፡ ተመስገን ፡ ኢየሱስ ፡ መፍቀሪና
ናብ'ዚ ፡ ኹሉ ፡ ዞብጻሕካና

ብጽድቂ ፡ ዕርቃን ፡ ነፍስና ፡ ብልብሲ ፡ ዕርቃን ፡ ዝባንና
ይብጻሕካ ፡ ውዳሴ ፡ ኽብሪ ፡ ንዘማዕረካ ፡ አምላኽና
ብህዳት ፡ አብ ፡ ጽላል ፡ ቤትና ፡ ክንነብር ፡ ተሓቋቁፍና
ይብጻሕካ ፡ ውዳሴ ፡ ኽብሪ ፡ ፀጋ ፡ ዝሃብካ ፡ አምላኽና

ተደጋሚ፦ ተመስገን ፡ ኢየሱስ ፡ ተመስገን
ተመስገን ፡ ጐይታ ፡ ተመስገን
ተመስገን ፡ ተመስገን ፡ ኢየሱስ ፡ መፍቀሪና
ናብ'ዚ ፡ ኹሉ ፡ ዞብጻሕካና

ነዚ ፡ ተስፉ ፡ ዘይጠልም ፡ ብሳህሊ ፡ ምሉእ ፡ አምላኽና
ከባና ፡ ከም ፡ ዘይፍለሊ ፡ ዓይንጠራጠርን ፡ ኢና
አብ'ዚ ፡ ዘለናዮ ፡ ምዕራፍ ፡ አጀሚሩ ፡ ዘብጽሓና
የፈጽመና ፡ ብዓልት ፡ ተሪፉ ፡ ዘሎ ፡ ጉያና

ተደጋሚ፦ ተመስገን ፡ ኢየሱስ ፡ ተመስገን
ተመስገን ፡ ጐይታ ፡ ተመስገን
ተመስገን ፡ ተመስገን ፡ ኢየሱስ ፡ መፍቀሪና
ናብ'ዚ ፡ ኹሉ ፡ ዞብጻሕካና

መዝሙር ፡ እምነት ፡ ቁ ። ፯