ተሓጉስና ፡ ተመስገን ፡ ኣምላኽና (Tehagusena Temesgen Amlakena)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

፩) መታን ፡ ከይንነብር ፡ ኣብ ፡ ሓጢኣትና ፡ ሞይትና
ከይንጠፍእ ፡ ድማ ፡ ካብ ፡ ገጽካ ፡ ርሒቕና
ክብረትካ ፡ ሓዲግካ ፡ መጻእካ ፡ ናባና
ክንደይ ፡ ዓብዩ ፡ ፍቕሪ ፡ ዘይብሉ ፡ መዘና

ተደጋሚ ፦ ተሓጉስና ፡ ተመስገን (፪x) ፡ ኣምላኽና
ተዓዊትና ፡ ተመስገን (፪x) ፡ ኣምላኽና

፪) ምእታውናን ፡ ምውጻእናንት ፡ ሕሉነቂሕካ
ካብ ፡ ወጽመድ ፡ ጸላኢ ፡ ድማ ፡ ናባላህካ
ኣብ ፡ ሁሉ ፡ ፈተና ፡ ዓወት ፡ እናሃብካ
ኣብዚ ፡ ዘብጻሕካና ፡ ምሥጋና ፡ ይብጻሕካ

ተደጋሚ ፦ ተሓጉስና ፡ ተመስገን (፪x) ፡ ኣምላኽና
ተዓዊትና ፡ ተመስገን (፪x) ፡ ኣምላኽና

፫) ከም ፡ ኣቦ ፡ ንወዱ ፡ ናተኸና ፡ ኸነ
ኣብ ፡ ምልአት ፡ ዜብጽሖ ፡ ኣጆኻ ፡ ናበለ
ከምኡውን ፡ ንስኻ ፡ ናተኸና ፡ ኸንካ
ናብ ፡ ዓወት ፡ ናብ ፡ ምልኣት ፡ ተብጽሓና ፡ ሎኻ

ተደጋሚ ፦ ተሓጉስና ፡ ተመስገን (፪x) ፡ ኣምላኽና
ተዓዊትና ፡ ተመስገን (፪x) ፡ ኣምላኽና

፬) ዚ ፡ ኩሉ ፡ ከይኣክል ፡ ዜገርም ፡ ፍቕርኻ
ከይንዝኽትም ፡ ከኣ ፡ ክትመጸና ፡ ኢኻ
ኣቦ ፡ ኽትኮነና ፡ ክንከውን ፡ ደቕኻ
ንዘልኣለም ፡ ከኣ ፡ ክንነብር ፡ ምሳኻ

ተደጋሚ ፦ ተሓጉስና ፡ ተመስገን (፪x) ፡ ኣምላኽና
ተዓዊትና ፡ ተመስገን (፪x) ፡ ኣምላኽና