ሰፈረይ ፡ ወሲድካ (Seferey Wosidka)

From WikiMezmur: Mezmur Lyrics
Jump to: navigation, search
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

፩) ክትንዓቅ ፡ ብሰብ ፡ ጡፍ ፡ ክበሃለልካ
   ክትጉሂ ፡ ክትጭነቕ ፡ መን ፡ ኣስተብሃለልካ
   በዳሊ ፡ ብኾፈይ ፡ ጎይታ ፡ ተዋሪድካ
   ክብረተይ ፡ ነበረ ፡ ጎልጎታ ፡ ምኻድካ

ተደጋሚ፦ ሰፈረይ ፡ ወሲድካ ፡ መስቀል ፡ ንክትጸውር
ነዚ ፡ ከሰተውዕሎ ፡ ኣባይ ፡ ፍቕርኻ’ ፡ ሕድር
እንተ ፡ ሓሰብክዎ ፡ ዝገበሮ ፡ ጸዕሪ
ከቐሮ ፡ ኣይክእልን ፡ ናይ ፡ ጎይታይ ፡ ፍቕሪ
 
፪) ክትወድቕ ፡ ክትንስእ ፡ ክትጠሚ ፡ ክትጸምእ
   ገበርካዮ ፡ ንኣይ ፡ ሓራ ፡ ክትውጽእ
   ድሕሪ ፡ ብርቱዕ ፡ ጻዕሪ ፡ ብሞት ፡ ምስ ፡ ሓለፍ
   ብዓወት ፡ ንጽድቀይ ፡ ‘ንደገና ፡ ተንሳእካ

ተደጋሚ፦ ሰፈረይ ፡ ወሲድካ ፡ መስቀል ፡ ንክትጸውር
ነዚ ፡ ከሰተውዕሎ ፡ ኣባይ ፡ ፍቕርኻ’ ፡ ሕድር
እንተ ፡ ሓሰብክዎ ፡ ዝገበሮ ፡ ጸዕሪ
ከቐሮ ፡ ኣይክእልን ፡ ናይ ፡ ጎይታይ ፡ ፍቕሪ

፫) መስቀለይ ፡ ክጸውር ፡ ኣነውን ፡ ኣብ ፡ ምድሪ
   ካብ ፡ ክብረት ፡ ናይ ፡ ዓለም ፡ መስቀልካ ፡ እሓሪ
   ውሬታ ፡ ክመልስ ፡ ናይቲ ፡ ግሩም ፡ ፍቕሪ
   ቀረባ ፡ ይኩን ፡ ጎይታይ ፡ ሃበኒውን ፡ ምኽሪ

ተደጋሚ፦ ሰፈረይ ፡ ወሲድካ ፡ መስቀል ፡ ንክትጸውር
ነዚ ፡ ከሰተውዕሎ ፡ ኣባይ ፡ ፍቕርኻ’ ፡ ሕድር
እንተ ፡ ሓሰብክዎ ፡ ዝገበሮ ፡ ጸዕሪ
ከቐሮ ፡ ኣይክእልን ፡ ናይ ፡ ጎይታይ ፡ ፍቕሪ