From WikiMezmur: Mezmur Lyrics
|
|
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች (Other Classic Mezmur Lyrics)
|
|
፩) ቆላሕ ፡ እንተበልኩ ፡ ዘደንቕ ፡ ፍጥረትካ
የውርየለይ ፡ ኢሉ ፡ ዓቢ’ዩ ፡ ኣምላኽካ
ሰራዊት ፡ ናይ ፡ ሰማይ ፡ ሰራዊት ፡ ናይ ፡ ምድሪ
ወርትግ ፡ የበስሩ ፡ ከም ፡ ዝኾንካ ፡ ዓቢ
፪) ቆላሕ ፡ እንተበልኩ ፡ ናብ ፡ መስቀል ፡ ቀራንዮ
ፍቕሪ ፡ ኣብኡ፡ ምልክት ፡ ንሰብ ፡ ዝሃብካዮ
ተዓዚመ ፡ በዚ ፡ ናብ ፡ መስቀል ፡ እቐርብ
ህይወት ፡ ምስ ፡ ተረፉ ፡ ካባኻ ፡ እረክብ
፫) ቆላሕ ፡ እንተበልኩ ፡ ናብ ፡ ቀስተ ፡ ደመና
እዝክር ፡ ብሓጎስ ፡ እሙን ፡ ከም ፡ ዝኾንካ
ኣሽሓት ፡ ዓመታት ፡ እንሆ ፡ ሓሊፉ
ዘይጠልም ፡ ዘይርስዕ ፡ ኣምላኸይ ፡ እሙን’ዩ
|