ቆላሕ ፡ እንተበልኩ (Qolah Entebelku)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

፩) ቆላሕ ፡ እንተበልኩ ፡ ዘደንቕ ፡ ፍጥረትካ
   የውርየለይ ፡ ኢሉ ፡ ዓቢ’ዩ ፡ ኣምላኽካ
   ሰራዊት ፡ ናይ ፡ ሰማይ ፡ ሰራዊት ፡ ናይ ፡ ምድሪ
   ወርትግ ፡ የበስሩ ፡ ከም ፡ ዝኾንካ ፡ ዓቢ

፪) ቆላሕ ፡ እንተበልኩ ፡ ናብ ፡ መስቀል ፡ ቀራንዮ
   ፍቕሪ ፡ ኣብኡ፡ ምልክት ፡ ንሰብ ፡ ዝሃብካዮ
   ተዓዚመ ፡ በዚ ፡ ናብ ፡ መስቀል ፡ እቐርብ
   ህይወት ፡ ምስ ፡ ተረፉ ፡ ካባኻ ፡ እረክብ

፫) ቆላሕ ፡ እንተበልኩ ፡ ናብ ፡ ቀስተ ፡ ደመና
   እዝክር ፡ ብሓጎስ ፡ እሙን ፡ ከም ፡ ዝኾንካ
   ኣሽሓት ፡ ዓመታት ፡ እንሆ ፡ ሓሊፉ
   ዘይጠልም ፡ ዘይርስዕ ፡ ኣምላኸይ ፡ እሙን’ዩ