ቃል ፡ ኪዳን ፡ ዝኣትኹምዎ (Qal Kidan Zeatkumwo)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

፩) ቃል ፡ ኪዳን ፡ ዝኣተኹምዎ ፡
ከም ፡ ክቡር ፡ ዕንቁ ፡ ሓዝዎ
ወግሔ ፡ ጸብሔ ፡ ሓድስዎ
ብፍቕሪ ፡ ብዓቕሊ ፡ ሕጸርዎ

ተደጋሚ፦ መስራቲቓል ፡ ኪዳን ፡ የሱስ ፡ ክርስቶስ
እዩ ፡ ምሳኹም
ሎሚ ፡ ጽባህ ፡ ንዘልዓለም ፡ ከኣ
ዘይፍለ ፡ ፈታዊ ፡ ይኹነኹም

፪) ንምላኣትኩም ፡ ብምሥጋና
ንስኣንኩም ውን ፡ ብጸጋ
ናይ ፡ ዝመጽእ ፡ ክዉል ፡ ዘሎ
በእምነት ፡ ብተስፋ ፡ ቋሕ ፡ በልዎ

ተደጋሚ፦ መስራቲቓል ፡ ኪዳን ፡ የሱስ ፡ ክርስቶስ
እዩ ፡ ምሳኹም
ሎሚ ፡ ጽባህ ፡ ንዘልዓለም ፡ ከኣ
ዘይፍለ ፡ ፈታዊ ፡ ይኹነኹም

፫) ምስ ፡ ባረክ ፡ ተግባር ፡ ኢድኩም
ጥሪት ፡ ውሉድ ፡ ምስ ፡ ሃበኩም
ዝጐደለ ፡ የልቦን ፡ ኢልኩም
ኣይትረስዕዎ ፡ ንኣምላኽኩም

ተደጋሚ፦ መስራቲቓል ፡ ኪዳን ፡ የሱስ ፡ ክርስቶስ
እዩ ፡ ምሳኹም
ሎሚ ፡ ጽባህ ፡ ንዘልዓለም ፡ ከኣ
ዘይፍለ ፡ ፈታዊ ፡ ይኹነኹም

፬) ኰይኑ ፡ ፍቃድ ፡ ናይ ፡ ኣምላኽኩም
ሰአን ፡ ሕማም ፡ ተበጽሓኩም
ቃል ፡ ኪዳን ፡ ዝአተኹምዎ
ናዘከርኩም ፡ ብሓጐስ ፡ ጽርዎ

ተደጋሚ፦ መስራቲቓል ፡ ኪዳን ፡ የሱስ ፡ ክርስቶስ
እዩ ፡ ምሳኹም
ሎሚ ፡ ጽባህ ፡ ንዘልዓለም ፡ ከኣ
ዘይፍለ ፡ ፈታዊ ፡ ይኹነኹም

፭) ንግሆ ፡ ምሽት ፡ ተማህለሉ
ምሥጋና ፡ ንእኡ ፡ ሃቡ ፡
ቃሉ ፡ ይኹን ፡ መኣድኹም
ክቡር ፡ ሥሙ ፡ ድማ ፡ ዕላማኹም

ተደጋሚ፦ መስራቲቓል ፡ ኪዳን ፡ የሱስ ፡ ክርስቶስ
እዩ ፡ ምሳኹም
ሎሚ ፡ ጽባህ ፡ ንዘልዓለም ፡ ከኣ
ዘይፍለ ፡ ፈታዊ ፡ ይኹነኹም

፮) ሂቡ ፡ ከቶ ፡ ዘይውድኦ
ሓልዩ ፡ ኽኣ ፡ ዘይደኽም
መሪሑውን ፡ ዘየጋጊ
ምሳኹም ፡ ይኸውን ፡ ካብ ፡ ሕጂ

ተደጋሚ፦ መስራቲቓል ፡ ኪዳን ፡ የሱስ ፡ ክርስቶስ
እዩ ፡ ምሳኹም
ሎሚ ፡ ጽባህ ፡ ንዘልዓለም ፡ ከኣ
ዘይፍለ ፡ ፈታዊ ፡ ይኹነኹም