From WikiMezmur: Mezmur Lyrics
|
|
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች (Other Classic Mezmur Lyrics)
|
|
፩) ቃል ፡ ኪዳን ፡ ዝኣተኹምዎ ፡
ከም ፡ ክቡር ፡ ዕንቁ ፡ ሓዝዎ
ወግሔ ፡ ጸብሔ ፡ ሓድስዎ
ብፍቕሪ ፡ ብዓቕሊ ፡ ሕጸርዎ
ተደጋሚ፦ መስራቲቓል ፡ ኪዳን ፡ የሱስ ፡ ክርስቶስ
እዩ ፡ ምሳኹም
ሎሚ ፡ ጽባህ ፡ ንዘልዓለም ፡ ከኣ
ዘይፍለ ፡ ፈታዊ ፡ ይኹነኹም
፪) ንምላኣትኩም ፡ ብምሥጋና
ንስኣንኩም ውን ፡ ብጸጋ
ናይ ፡ ዝመጽእ ፡ ክዉል ፡ ዘሎ
በእምነት ፡ ብተስፋ ፡ ቋሕ ፡ በልዎ
ተደጋሚ፦ መስራቲቓል ፡ ኪዳን ፡ የሱስ ፡ ክርስቶስ
እዩ ፡ ምሳኹም
ሎሚ ፡ ጽባህ ፡ ንዘልዓለም ፡ ከኣ
ዘይፍለ ፡ ፈታዊ ፡ ይኹነኹም
፫) ምስ ፡ ባረክ ፡ ተግባር ፡ ኢድኩም
ጥሪት ፡ ውሉድ ፡ ምስ ፡ ሃበኩም
ዝጐደለ ፡ የልቦን ፡ ኢልኩም
ኣይትረስዕዎ ፡ ንኣምላኽኩም
ተደጋሚ፦ መስራቲቓል ፡ ኪዳን ፡ የሱስ ፡ ክርስቶስ
እዩ ፡ ምሳኹም
ሎሚ ፡ ጽባህ ፡ ንዘልዓለም ፡ ከኣ
ዘይፍለ ፡ ፈታዊ ፡ ይኹነኹም
፬) ኰይኑ ፡ ፍቃድ ፡ ናይ ፡ ኣምላኽኩም
ሰአን ፡ ሕማም ፡ ተበጽሓኩም
ቃል ፡ ኪዳን ፡ ዝአተኹምዎ
ናዘከርኩም ፡ ብሓጐስ ፡ ጽርዎ
ተደጋሚ፦ መስራቲቓል ፡ ኪዳን ፡ የሱስ ፡ ክርስቶስ
እዩ ፡ ምሳኹም
ሎሚ ፡ ጽባህ ፡ ንዘልዓለም ፡ ከኣ
ዘይፍለ ፡ ፈታዊ ፡ ይኹነኹም
፭) ንግሆ ፡ ምሽት ፡ ተማህለሉ
ምሥጋና ፡ ንእኡ ፡ ሃቡ ፡
ቃሉ ፡ ይኹን ፡ መኣድኹም
ክቡር ፡ ሥሙ ፡ ድማ ፡ ዕላማኹም
ተደጋሚ፦ መስራቲቓል ፡ ኪዳን ፡ የሱስ ፡ ክርስቶስ
እዩ ፡ ምሳኹም
ሎሚ ፡ ጽባህ ፡ ንዘልዓለም ፡ ከኣ
ዘይፍለ ፡ ፈታዊ ፡ ይኹነኹም
፮) ሂቡ ፡ ከቶ ፡ ዘይውድኦ
ሓልዩ ፡ ኽኣ ፡ ዘይደኽም
መሪሑውን ፡ ዘየጋጊ
ምሳኹም ፡ ይኸውን ፡ ካብ ፡ ሕጂ
ተደጋሚ፦ መስራቲቓል ፡ ኪዳን ፡ የሱስ ፡ ክርስቶስ
እዩ ፡ ምሳኹም
ሎሚ ፡ ጽባህ ፡ ንዘልዓለም ፡ ከኣ
ዘይፍለ ፡ ፈታዊ ፡ ይኹነኹም
|