ነቶም ፡ ንኣምላኽ ፡ ዘፍቅሩ (Netom Neamlakh Zefeqru)

From WikiMezmur: Mezmur Lyrics
Jump to: navigation, search
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

፩) ዘይንፈልጦ ፡ ብሃንደበት
   ይመጸና ፡ ስደት ፡ ጭንቀት
   ጸላኢ’ውን ፡ የጽብበልና
   ከደናግር ፡ ልብና

ተደጋሚ፦ ነቶም ፡ ንኣምላኽ ፡ ዘፍቅሩ ፡ ከም ፡ ምኽሩ’ውን
እተጸውዑ ፡ ግና፡ ኩሉ ፡ ንሰናይ ፡ ከም ፡ ዝድግፎም
ንፈልጥ ፡ ኢና

፪) ሃብታም ፡ ከሎ ፡ ዘፍቀረና
   ይጨንቀና ፡ ንሕና ፡ ግና
   የሱስ ከሎ ፡ ፈዋሲና
   ሕማም ፡ ድኻም ፡ የውድቐና

ተደጋሚ፦ ነቶም ፡ ንኣምላኽ ፡ ዘፍቅሩ ፡ ከም ፡ ምኽሩ’ውን
እተጸውዑ ፡ ግና፡ ኩሉ ፡ ንሰናይ ፡ ከም ፡ ዝድግፎም
ንፈልጥ ፡ ኢና

፫) እንፍቅሮም ፡ ቤተሰብና
   ይፍለዩ ፡ ካባና
   ኩሉ ፡ ጥሪት ፡ ዝህበና
   ብሃንደበት ፡ ይጠፍኣና

ተደጋሚ፦ ነቶም ፡ ንኣምላኽ ፡ ዘፍቅሩ ፡ ከም ፡ ምኽሩ’ውን
እተጸውዑ ፡ ግና፡ ኩሉ ፡ ንሰናይ ፡ ከም ፡ ዝድግፎም
ንፈልጥ ፡ ኢና