መዝሙር ፡ ኣሎኒ ፡ ጥዑም ፡ ዜማ (Mezmur Aloni Teum Ziema)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

፩) መዝሙር ፡ ኣሎኒ ፡ ጥዑም ፡ ዜማ፡ የሱሰይ ፡ ምሳይ ፡ ኣሎ
   ማዕበል ፡ ነይፈርህ ፡ ንሱ ፡ ከሎ፡ ብትዕግስቲ ፡ ክኽተሎ
                   
ተደጋሚ፦ የሱስ ፡ ግሩም ፡ ዓርኪ ፡ እሙን ፡ መራሒ
ከምኡ ፡ ኣይርከብኒ ፡ ጽምኣት ፡ ነፍሲ ፡ ዘርዊ

፪) ኣብ ፡ ዓዘቕቲ ፡ ሓጥያት ፡ ሰጢማ ፡ ምስ ፡ ነበረት ፡ ህይወተይ
   የሱስ ፡ መጸ ፡ ክጽግን ፡ ልበይ ፡ ጸልማተይ ፡ ከልግሰለይ

ተደጋሚ፦ የሱስ ፡ ግሩም ፡ ዓርኪ ፡ እሙን ፡ መራሒ
ከምኡ ፡ ኣይርከብኒ ፡ ጽምኣት ፡ ነፍሲ ፡ ዘርዊ

፫) ኣብ ፡ ልሙዕ ፡ ሸኻ ፡ የውዕለኒ ፡ ጸግ ኡ ፡ የጽግበኒ
   ብዘይቲ ፡ ምድሓን ፡ ይቐብኣኒ ፡ ናብ ፡ ጽድቂ ፡ ይመርሓኒ

ተደጋሚ፦ የሱስ ፡ ግሩም ፡ ዓርኪ ፡ እሙን ፡ መራሒ
ከምኡ ፡ ኣይርከብኒ ፡ ጽምኣት ፡ ነፍሲ ፡ ዘርዊ

፬) የሱስ፡ ይምለስ ፡ ክወስደኒ ፡ ናብ ፡ ላዕለይቲ ፡ ከተማ
   ኣኽናፍ ፡ ናይ ፡ ወጋሕታ ፡ ክዝርግሕ ፡ ቤት ፡ ኣምላኸይ ፡ ክበጽሓ

ተደጋሚ፦ የሱስ ፡ ግሩም ፡ ዓርኪ ፡ እሙን ፡ መራሒ
ከምኡ ፡ ኣይርከብኒ ፡ ጽምኣት ፡ ነፍሲ ፡ ዘርዊ