መንእሰይ ፡ ንዑ (Menesey Neu)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

፩) መንእሰይ ፡ ንዑ ፡ ጽቡቓት ፡ ኣታኽልቲ
   ካብ ፡ መርዛም ፡ ማይ ፡ ዓለም ፡ ኣይትስተዩ
   ህይወት ፡ ክትረኽቡ ፡ ማይ ፡ ህይወት ፡ ሰቲኹም
   ናብ ፡ የሱስ ፡ ንዑ

ተደጋሚ፦ መንእሰይ ፡ ንዑ ፡ ጊዜ ፡ ከይሓልፈኩም
ኣይትንጸግዎ’ዚ ፡ ጥዑም ፡ ዕድልኩም
ንየሱስ ፡ ጎይታ ፡ ዝባን ፡ እንተሃብኩም
ሞት ፡ የርክበኩም

፪) ጥቓ ፡ ርባታት ፡ ህይወት ፡ ክ’ትከሉ
   ፍረታት ፡ ክትህቡ ፡ ብጊዜኡ
   ሰላም ፡ ክኸውን ፡ መዓልታት ፡ ህይወትኩም
   ናብ ፡ የሱስ ፡ ንዑ

ተደጋሚ፦ መንእሰይ ፡ ንዑ ፡ ጊዜ ፡ ከይሓልፈኩም
ኣይትንጸግዎ’ዚ ፡ ጥዑም ፡ ዕድልኩም
ንየሱስ ፡ ጎይታ ፡ ዝባን ፡ እንተሃብኩም
ሞት ፡ የርክበኩም

፫) ጊዜ ፡ ሓሊፉ ፡ እርጋን ፡ ምስ ፡ ኣርከበ
   ኣብ ፡ ገምገም ፡ ርባ ፡ ሞት ፡ ምስ ፡ ቀረብኩም
   ቅብጸት ፡ ዘኽትል ፡ ጣዕሳ ፡ ከይብጽሓኩም
   ናብ ፡ የሱስ ፡ ንዑ

ተደጋሚ፦ መንእሰይ ፡ ንዑ ፡ ጊዜ ፡ ከይሓልፈኩም
ኣይትንጸግዎ’ዚ ፡ ጥዑም ፡ ዕድልኩም
ንየሱስ ፡ ጎይታ ፡ ዝባን ፡ እንተሃብኩም
ሞት ፡ የርክበኩም