ምሕረትካ ፡ ዘይውዳእ (Mehereteka Zeywedae)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

፩) ጎይታ ፡ ከም ፡ ተስፋኻ ፡ ቀድሰን ፡ ንነፍሳትና
   መንፈስ ፡ ቅዱስ ፡ ልኣኽ ፡ ክጽግን ፡ ሓይልና
   ህያው ፡ ምኻንካ’ውን ፡ ግለጽ ፡ ንሂወትና
   ሓጎስና ፡ መሊኡ ፡ ከንጀርብብ ፡ ጽዋእና

ተደጋሚ፦ ሕረትካ ፡ ዘይውዳእ ፡ ህያው ፡ ቅዱስ ፡ ጎይታ
ምልኣዮ ፡ ህይወትና ፡ ብፍጹም ፡ ፍቕርኻ

፪) ኩሉ ፡ ኣበሳና ፡ ከም ፡ በረድ ፡ ተጻዕዱ
   ከቢድ ፡ ጾርና ፡ ኩሉ ፡ ቀንጢጥካ ፡ ትስንዱ
   ንዓና ፡ መሲልካ ፡ ሞት’ውን ፡ ዝጠዓምካ
   ክንመስል ፡ ንዓኻ ፡ ብመንፈስካ ፡ ኣጥምቐና

ተደጋሚ፦ ሕረትካ ፡ ዘይውዳእ ፡ ህያው ፡ ቅዱስ ፡ ጎይታ
ምልኣዮ ፡ ህይወትና ፡ ብፍጹም ፡ ፍቕርኻ

፫) ኣዒንቲ ፡ ልባትና ፡ ክፈቶ ፡ ክእዘዝ
   ጉድለትና ፡ ክንምልእ ፡ ንእመን ፡ ንናዘዝ
   ንዓ ፡ ዝተዋሕጡ ፡ ኣውጽእ ፡ ካብ ፡ ታኼላ
   ማሕበርካ ፡ ከም ፡ ቃልካ ፡ ሰማይ ፡ ክፈተላ

ተደጋሚ፦ ሕረትካ ፡ ዘይውዳእ ፡ ህያው ፡ ቅዱስ ፡ ጎይታ
ምልኣዮ ፡ ህይወትና ፡ ብፍጹም ፡ ፍቕርኻ
 
፬) ደምካ ፡ ዝተኻዕወ ፡ ክሓጽብ’ዩ ፡ ከንጽህ፡
   ዝዓግተና ፡ ለጊሱ ፡ ሕልናና ፡ ከብርህ
   ስምካ ፡ ፈዋሲና ፡ ክብርኻ ፡ ዝገልጽ
   ዘይትና ፡ ክፍልፍል ፡ ክሳዕ ፡ እትምለስ

ተደጋሚ፦ ሕረትካ ፡ ዘይውዳእ ፡ ህያው ፡ ቅዱስ ፡ ጎይታ
ምልኣዮ ፡ ህይወትና ፡ ብፍጹም ፡ ፍቕርኻ