ማዕበል ፡ ኣሎ ፡ ኣይትፍራህ (Maebel Alo Ayetfrah)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

፩) ኣምላኽ ፡ ንኖህ ፡ ኣፍልጦ ፡ መርከቡ ፡ ክሰርሕ
   ፈሊጡ ፡ ነይሩ ፡ ጎይታ ፡ ብርሃን ፡ ከም ፡ ዘይብላ
   ይብል ፡ ኣምላኽ ፡ ብላዕሊ ፡ ግበሮ ፡ ምስኮታ
   ሽዑ ፡ ምስ ፡ ጸልመተካ ፡ ኣሎኹ ፡ ምሳኻ

ተደጋሚ፦ ማዕበል ፡ ኣሎ ፡ ኣይትፍራህ ፡ ኣሎኹ ፡ ምሳኻ
ቤቲ ፡ ላዕላይ ፡ መስኮታ ፡ ክትርእየኒ ፡ ኢኻ

፪) ስቓይ ፡ ንኣካላትካ ፡ እንተ ፡ ኣላደየ
   መዋቲ ፡ ስጋኻውን ፡ በሰላ ፡ ‘ንተ ፡ መልአ
   ኣይትጀጁ ፡ ኣጆኻ ፡ ኣልዕል ፡ ኣዒንትኻ
   ቤቲ ፡ ላዕላይ ፡ መስኮታ ፡ ክትርእየኒ ፡ ኢኻ

ተደጋሚ፦ ማዕበል ፡ ኣሎ ፡ ኣይትፍራህ ፡ ኣሎኹ ፡ ምሳኻ
ቤቲ ፡ ላዕላይ ፡ መስኮታ ፡ ክትርእየኒ ፡ ኢኻ

፫) ኣባይቲ ፡ ርስትኻ ፡ ወርቂ ፡ ምስ ፡ ሃብትኻ
   ኩሉ ፡ ምስ ፡ ዝጠፍኣካ ፡ ድኺኻ ፡ ነዲኻ
   ሰላም ፡ ጽንዓት ፡ ናትካ’ዩ ፡ ቃንዛ ፡ ይሓድገካ
   ምስ ፡ ‘ትጥምት ፡ ናብ ፡ ላዕሊ ፡ ኣሎኹ ፡ ኣጆኻ

ተደጋሚ፦ ማዕበል ፡ ኣሎ ፡ ኣይትፍራህ ፡ ኣሎኹ ፡ ምሳኻ
ቤቲ ፡ ላዕላይ ፡ መስኮታ ፡ ክትርእየኒ ፡ ኢኻ

፬) ሞት ፡ ሓያል’ያ ፡ ብሓቂ ፡ ተዘኽትም ፡ ወላዲ
   ሓጎስ ፡ ደስታ ፡ የልግስ ፡ ምስ ፡ ዝሳገር ፡ ናብቲ
   እተፍቅሮ ፡ ምስ ፡ ሞተ ፡ ልቢ ፡ ምስ ፡ ሓዘነ
   ምስ’ትጥምት ፡ ናብ ፡ ላዕሊ ፡ ኣነ ፡ ምሳኻ’የ

ተደጋሚ፦ ማዕበል ፡ ኣሎ ፡ ኣይትፍራህ ፡ ኣሎኹ ፡ ምሳኻ
ቤቲ ፡ ላዕላይ ፡ መስኮታ ፡ ክትርእየኒ ፡ ኢኻ