ከዘንትዎ ፡ እፈቱ (Kezentwo Efetu)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

፩) ከዘንትዎ ፡ እፈቱ ፡ ክነግር ፡ ዛንትኡ
   ናይ ፡ የሱስ ፡ ክርስቶስ ፡ ክብሪ ፡ ዘይረኣዮ ፡ ዓይኒ
   ናይ ፡ ኣምላኽ ፡ ዓቢ ፡ ፍቕሪ ፡ እነግሮ ፡ ብሓቂ
   ድሌት ፡ ልበይ ፡ መዕገቢ ፡ ከምኡ ፡ ኣይርከብኒ

ተደጋሚ፦ ከዘንትዎ ፡ እፈቱ ፡ ከገልግሎ ፡ ብሓቂ
ከዘንትዎ ፡ ናይ ፡ የሱስ ፡ ናይ ፡ ኣምላኽና ፡ ፍቕሪ

፪) ሓለፍ ፡ ኢሉ ፡ እረኽቦ ፡ ንናይ ፡ ዓለም ፡ ሓጎስ
   ‘ቲ ፡ ኹሉ ፡ ጽባቐኡ ፡ ምስ ፡ ኩሉ ፡ ክብረቱ
   ግሩም ፡ ጸጋ ፡ ምሕረቱ ፡ ንኹሎም ፡ ኣመንቱ
   ከዘንትዎ ፡ እፈቱ ፡ ናብ ፡ ምድሓን ፡ ዘይመጹ

ተደጋሚ፦ ከዘንትዎ ፡ እፈቱ ፡ ከገልግሎ ፡ ብሓቂ
ከዘንትዎ ፡ ናይ ፡ የሱስ ፡ ናይ ፡ ኣምላኽና ፡ ፍቕሪ

፫) ዘይሰምዕዎ ፡ ኩላቶም ፡ መታን ፡ ከብስሮም
   ምድሓን ፡ ብየሱስ ፡ ክርስቶስ ፡ ዘዕግብ ፡ ጥሜቶም
   ደጋጊመ ፡ ክነግሮ ፡ ቃል ፡ ህይወት ፡ ዘይምኖ
   ምንጻህ ፡ ኣሎ ፡ ንኹሉ ፡ ቃል ፡ ኣምላኽ ፡ ከም ፡ ዘሎ

ተደጋሚ፦ ከዘንትዎ ፡ እፈቱ ፡ ከገልግሎ ፡ ብሓቂ
ከዘንትዎ ፡ ናይ ፡ የሱስ ፡ ናይ ፡ ኣምላኽና ፡ ፍቕሪ

፬) እቶም ፡ ዝፈልጡ ፡ ኩሎም ፡ ቃል ፡ ኣምላኽ ፡ መዓዶም
   ጥሜቶምን ፡ ጽምኣቶምን ፡ ሃረር ፡ ዝብሎ ፡ ልቦም
   ፈልፋሊ ፡ ዔላ ፡ ኣሎ ፡ ኣብ ፡ መስቀል ፡ ቀራንዮ
   ሓድሽ ፡ ዜማ ፡ ኣብ ፡ ሰማይ ፡ መሊሰ ፡ ክደግሞ

ተደጋሚ፦ ከዘንትዎ ፡ እፈቱ ፡ ከገልግሎ ፡ ብሓቂ
ከዘንትዎ ፡ ናይ ፡ የሱስ ፡ ናይ ፡ ኣምላኽና ፡ ፍቕሪ