ክንዝምር ፡ ክንውድስ’ውን (Kenzemer Kenwedesewen)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

፩) ኩሉ ፡ ሽጋር ፡ ናይ ፡ ዓለም ፡ ወዲእና ፡ ከነራግፍ
ኣብ ፡ ሰማይ ፡ የሱስና ፡ ከነንግስ
ፍቁራትና ፡ ክንርኢ ፡ ምስኣቶም’ውን ፡ ክንጽንበር
ኣብ ፡ ሓዳስ ፡ የሩሳሌም

ተደጋሚ፦ ክንዝምር ፡ ክንውድስ’ውን ፡ ምስቶም ፡ ብጹኣን ፡ ኴንና
ኣብ ፡ የሩሳሌም ፡ ኣብ ፡ የሩሳሌም
ንንጉስና ፡ እናንገስና ፡ ሆሳእና ፡ ክንብል ፡ ኢና
ኣብ ፡ ሓዳስ ፡ የሩሳሌም

፪) መገደይ ፡ ምስ ፡ ጸልመተ ፡ ይመርሓኒ
መስቀለይ ፡ ኣልዒለ ፡ ክስዕቦ
ፈጺመ ፡ እእመኖ ፡ ክኸተሎ’ውን ፡ እየ
ኣብ ፡ ሓዳስ ፡ የሩሳሌም

ተደጋሚ፦ ክንዝምር ፡ ክንውድስ’ውን ፡ ምስቶም ፡ ብጹኣን ፡ ኴንና
ኣብ ፡ የሩሳሌም ፡ ኣብ ፡ የሩሳሌም
ንንጉስና ፡ እናንገስና ፡ ሆሳእና ፡ ክንብል ፡ ኢና
ኣብ ፡ ሓዳስ ፡ የሩሳሌም

፫) መገሻና ፡ ወዲእና ፡ ንብዓትና ፡ ምስ ፡ ዘፈፈ
ክብሪ ፡ ኣምላኽ ፡ ክግለጸልና
ብብሩህ ፡ ዓይኒ ፡ ክንርእዮ ፡ ንየሱስ ፡ መፍቀሪና
ኣብ ፡ ሓዳስ ፡ የሩሳሌም

ተደጋሚ፦ ክንዝምር ፡ ክንውድስ’ውን ፡ ምስቶም ፡ ብጹኣን ፡ ኴንና
ኣብ ፡ የሩሳሌም ፡ ኣብ ፡ የሩሳሌም
ንንጉስና ፡ እናንገስና ፡ ሆሳእና ፡ ክንብል ፡ ኢና
ኣብ ፡ ሓዳስ ፡ የሩሳሌም

፬) ምስቶም ፡ ጭፍራ ፡ ሰማያት ፡ ሓቢርና ፡ ክንውድሶ
ፍጹም ፡ ፍቕሪ ፡ ለቢስና ፡ ከነንግሶ
ብሩህ ፡ ገጹ ፡ ክንርኢ ፡ ኣብታ ፡ ብጽእቲ ፡ ሃገር
ኣብ ፡ ሓዳስ ፡ የሩሳሌም

ተደጋሚ፦ ክንዝምር ፡ ክንውድስ’ውን ፡ ምስቶም ፡ ብጹኣን ፡ ኴንና
ኣብ ፡ የሩሳሌም ፡ ኣብ ፡ የሩሳሌም
ንንጉስና ፡ እናንገስና ፡ ሆሳእና ፡ ክንብል ፡ ኢና
ኣብ ፡ ሓዳስ ፡ የሩሳሌም