ክንደይ ፡ ጥዑም ፡ ኢዩ ፡ ኣብ ፡ ቤት ፡ ኣምላኽ ፡ ምዃን (Kendey Teum Eyu Ab Bet Amlak)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

፩) ክንደይ ፡ ጥዑም ፡ ኢዩ ፡ ኣብ ፡ ቤት ፡ ኣምላኽ ፡ ምኻን
   ዚርከቦ ፡ ኢዩ ፡ ድሕነት ፡ ሓጎስ ፡ ሰላም
   ምስ ፡ ኩሎም ፡ ዘፍቅሮም ፡ ናይ ፡ የሱስ ፡ እሙናት
   ክውድስ ፡ ብሓጎስ ፡ ንንጉስ ፡ ነገስታት

፪) ጎይታ ፡ እሰረና ፡ ብገመድ ፡ ናይ ፡ ፍቕሪ
   ባዕልኻ ፡ ኣልግሶ ፡ ኩሉ ፡ ዝፈላሊ
   ብግብርና ፡ ብሓቅን ፡ እናተፋቐርና
   ክንፍጽም ፡ ዎ ፡ ጎይታ ፡ ሕድሪ ፡ ዝሃብካና

፫) ከም ፡ እያድ ፡ ትጠፍእ ፡ እንተኾነት ፡ በይና
   ደቀይ ፡ ተቓረቡ! ኣፍቂሩ ፡ ይብለና
   ሽዑ ፡ ዓለም ፡ ይብል ፡ ርኣዩ ፡ ድምቀቶም
   ሃልሃል ፡ ክንብል ፡ ከምኦም ፡ ንዑናይ ፡ ንሕበሮም