ከምልኾ ፡ የ (Kemlkho Ye)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

፩) ሓቀኛ ፡ ኣምላኽ ፡ ናይ ፡ ጥበብ ፡ ጎይታ
    ዝኾነ ፡ ይኹን ፡ ፍጹም ፡ ዘይርታዕ
    ብሰብ ፡ ኣእምሮይ ፡ ኣይግመትን’ዩ
   ውርዱን ፡ ስፍሓቱን ፡ ኣይብጽሕን’ዩ

 ተደጋሚ፦
ከምልኾ’የ ፡ ነቲ ፡ ዓቢ ፡ ጎይታ
ከምልኾ’የ ፡ ብፍጽም ፡ ዘይርታዕ
ከምልኾ’የ ፡ ነደቕቲ ፡ ዝነዓቕዎ
ከምልኾ’የ ፡ ነቲ ፡ ርእሲ ፡ መኣዝን

፪) ንፍቕሩ ፡ ርእየ ፡ ጥዒመ’ለኹ
    ንኡ ፡ ክሰዕቦ ፡ መዲበ’ለኹ
    ኣብቲ ፡ መከራይ ፡ ባዕሉ ፡ ‘ናመጸ
    ይማጎተለይ ፡ መታን ፡ ከይቁጸ

ተደጋሚ፦
ከምልኾ’የ ፡ ነቲ ፡ ዓቢ ፡ ጎይታ
ከምልኾ’የ ፡ ብፍጽም ፡ ዘይርታዕ
ከምልኾ’የ ፡ ነደቕቲ ፡ ዝነዓቕዎ
ከምልኾ’የ ፡ ነቲ ፡ ርእሲ ፡ መኣዝን

፫) ጉደለተይ ፡ ኩሉ ፡ እናረኣየ
   የመልክተለይ ፡ እናጎሃየ፡
  ብፍቕሩ ፡ ኢዩ ፡ ዝማረኸኒ
  ኣብ ፡ መሰቀል ፡ ሞይቱ ፡ ህይወት ፡ ሃበኒ

ተደጋሚ፦
ከምልኾ’የ ፡ ነቲ ፡ ዓቢ ፡ ጎይታ
ከምልኾ’የ ፡ ብፍጽም ፡ ዘይርታዕ
ከምልኾ’የ ፡ ነደቕቲ ፡ ዝነዓቕዎ
ከምልኾ’የ ፡ ነቲ ፡ ርእሲ ፡ መኣዝን

፬) ብዘይካ ፡ ንሱ ፡ ዓርኪ ፡ ‘ብለይኒ
    ከምኡ ፡ ዘፍቅር ፡ ከቶ ፡ ‘ ይርከበኒ
    ናይ ፡ ልበይ ፡ ሽግር ፡ ኩሉ ፡ ይፈልጦ
    ዝኸበደኒ ፡ ባዕሉ ፡ ይቕንጥጦ

 ተደጋሚ፦
ከምልኾ’የ ፡ ነቲ ፡ ዓቢ ፡ ጎይታ
ከምልኾ’የ ፡ ብፍጽም ፡ ዘይርታዕ
ከምልኾ’የ ፡ ነደቕቲ ፡ ዝነዓቕዎ
ከምልኾ’የ ፡ ነቲ ፡ ርእሲ ፡ መኣዝን