ከም ፡ ጓሳ ፡ ንመጋሲኡ (Kem Guasa Nemegasiu)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

፫) ከም ፡ ጓሳ ፡ ንመጓሲኡ ፡ ዝመርሐን ፡ ናብ ፡ ልሙዕ ፡ ሸኻ
   መድሓኒና ፡ ብመንፈሱ ፡ ንመጓሲኡ ፡ ይመርሓ
   ናብ ፡ ምሉእ ፡ ዕረፍቲ ፡ ዕግበት ፡ ክትረክብ ፡ ዘልኣለም ፡ ህይወት
   ለይቲ ፡ መዓልቲ ፡ ይመርሓ ፡ ኣብ ፡ ሕቑፉ ፡ ክሳዕ ፡ ዘዕርፋ

፪) ከም ፡ ጓሳ ፡ ንመጓሲ ኡ ፡ ዝሕልወን ፡ ካብ ፡ ጸላኢ
   መድሓኒና ፡ ንማሕበሩ ፡ ይጥንቀቐላውን ፡ ከምኡ
   በጃኣ ፡ ህይወቱ ፡ ሂቡ ፡ ጸጋን ፡ ምሕረትን ፡ ኣብዚሑ
   ካብዚ ፡ ንሰማይ ፡ መሪሑ ፡ የእትዋ ፡ ናብ ፡ ደምቤኡ

፫) ብኹቡር ፡ ደም ፡ ዝገዝኣ ፡ ዕርቡን ፡ መንፈሱ ፡ ዝሃባ
   ክትነብር ፡ ተራዳዲኣ ፡ ባህ ፡ ይብሎ ፡ ይሕጎሰላ
   ናብ ፡ ናይ ፡ ዘልኣለም ፡ ብጽእና ፡ ክምለስ ፡ እዩ ፡ ክወስዳ
   ሓንሳብ ፡ ንሓዋሩ ፡ ሽዑ ፡ ብተድላ ፡ ክትነርብ ፡ ምስኡ