From WikiMezmur: Mezmur Lyrics
|
|
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች (Other Classic Mezmur Lyrics)
|
|
፩) ህይወተይ ፡ ትኹን ፡ ጎይታ ፡ ጽብቕቲ ፡ ዕምባባ
ምስ ፡ ጠመታ ፡ ‘ዒንትኻ ፡ ብኣኣ ፡ ዝዓግባ
ዓለም ፡ ምስ ፡ ጠመተት’ውን ፡ ሓጎስ ፡ ክትረኽበሉ
ኣድምቃ ፡ ኣጸቢቕካ ፡ ነፍሲ ፡ ክትስሕበሉ
፪) ህይወተይ ፡ ትኹን ፡ ጎይታ ፡ ተኽሊ ፡ ፍረ ፡ ትህብ
ክትቅንጥብ ፡ ምስ ፡ መጻእካ ፡ ብኣኣ ፡ ትዓግብ
ኮስኩካ ፡ ኣጸቢቕካ ፡ ኣስትያ ፡ ማይ ፡ ህይወት
ቀንጢባ ፡ ክትበልዕ ፡ ዝጠመየት ፡ ዓለም
፫) ህይወተይ ፡ ትኹን ፡ ጎይታ ፡ ዝመቀረት ፡ መዝሙር
ንስምካ ፡ እተዘንቱ ፡ ዕቤትካ ፡ ትነግር
ንኹላቶም ፡ ዝጠፍኡ ፡ ፍቕርኻ ፡ ተበስር
ንሕዙን ፡ ዝሰምዓ ፡ ተስፋኻ ፡ ትዝምር
|