ሕጻን ፡ ተወልደ ፡ ኣብ ፡ ቤትልሄም (Hetsan Tewelde Ab Betlehiem)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

ሕጻን ፡ ተወልደ ፡ ኣብ ፡ ቤትልሄም ፡ ቤትልሄም
ተሓጐሲ ፡ የሩሳሌም ፤ ሃሌሉያ ፡ ሃሌሉያ
ማርያም ፡ ድንግል'ያ ፡ ኣዲኡስ ፡ ኣዲኡስ
ግን ፡ ወዲ ፡ ናይ ፡ ሰማይ ፡ ንጉሥ ፤ ሃሌሉያ ፡ ሃሌሉያ

ኣብ ፡ መብልዕ ፡ ማል ፡ ተነቢሩ ፡ ነቢሩ
መላእኽቲ ፡ ግን ፡ ወደሱሉ ፤ ሃሌሉያ ፡ ሃሌሉያ
ሰብኡት ፡ ጥበብውን ፡ ስው ፡ ኡሉ ፡ ሰውኡሉ
ወርቅን ፡ ዕጣን ፡ ከርቤን ፡ ሃቡ ፤ ሃሌሉያ ፡ ሃሌሉያ

መድሓኒ ፡ ሎሚ ፡ ረኸብና ፡ ረኸብና
ምሉእ ፡ ብዕረት ፡ ዚህበና ፤ ሃሌሉያ ፡ ሃሌሉያ
ውሉድ ፡ ናይ ፡ ኣምላኽ ፡ ገይሩና ፡ ገይሩና
ብኡነብዕል ፡ ተሓጉስና ፤ ሃሌሉያ ፡ ሃሌሉያ

ይዕድለና ፡ ስምረቱ ፡ ስምረቱ
ብተድላ ፡ ንርኢ ፡ ገጹ ፤ ሃሌሉያ ፡ ሃሌሉያ
መላእኽቲ ፡ ኸም ፡ ዝዘመሩ ፡ ዘመሩ
ከምኡስብሓት ፡ ንሃብ ፡ ንኡ ፤ ሃሌሉያ ፡ ሃሌሉያ

ክብሪ ፡ ይኹን ፡ ን ፡ ኣምላኽና ፡ ኣምላኽና
ሰላም ፡ ከኣ ፡ ኣብ ፡ ምድርና ፤ ሃሌሉያ ፡ ሃሌሉያ