ጎቦ ፡ ልበይ ፡ ኣፍርሶ ፡ ብቓላትካ ፡ ሕረሶ (Gobo Lebey Aferso Beqhalatka Hereso)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

፩) ከምቲ ፡ ኣብ ፡ መገዲ ፡ ዝወደቐ ፡ ዘርኢ
   ዝውሰድ ፡ ዝምንጠል ፡ ብሰይጣን ፡ ጸላኢ
   ከይከውን ፡ ቃላትካ ፡ የሱስ ፡ ኣብ ፡ ህይወተይ
   ብዝሰምዖ ፡ መጠን ፡ ፍረ ፡ ኣብዝሓለይ

ተደጋሚ፦ ጎቦ ፡ ልበይ ፡ ኣፍርሶ ፡ ብቓላትካ ፡ ሕረሶ
ሚእትን ፡ ስሳን ፡ ሰላሳን ፡ ክፈሪ ፡ ኣለስልሶ

፪) ቀልጢፉ ፡ ዝበቁል ፡ ኣብ ፡ ከውሒ ፡ እተዘርኤ
   ጸሓይ ፡ ምስ ፡ በረቐት ፡ ክሃጉግ ፡ ዝርኤ
   ብስደትን ፡ መከራን ፡ ጎይታ ፡ ከይክሕደካ
   ሰርታ ፡ ህይወተይ ፡ ኣቑማ ፡ ኣብ ፡ ቃላትካ

ተደጋሚ፦ ጎቦ ፡ ልበይ ፡ ኣፍርሶ ፡ ብቓላትካ ፡ ሕረሶ
ሚእትን ፡ ስሳን ፡ ሰላሳን ፡ ክፈሪ ፡ ኣለስልሶ
 
፫) ሓልዮት ፡ ሃብትን ፡ ትምኒትን ፡ ንቓላትካ ፡ ዝሓንቆ
   ጸሃዮ ፡ ካብ ፡ ልበይ ፡ ንእሾኽ ፡ ኣርሕቆ
   መቕደስካ ፡ ክኸውን ፡ ንልበይ ፡ ኣጽርዮ
   ቃላትካ ፡ ክፈሪ ፡ መንፈስካ ፡ ምልኣዮ

ተደጋሚ፦ ጎቦ ፡ ልበይ ፡ ኣፍርሶ ፡ ብቓላትካ ፡ ሕረሶ
ሚእትን ፡ ስሳን ፡ ሰላሳን ፡ ክፈሪ ፡ ኣለስልሶ

፬) ከምቲ ፡ ኣብ ፡ ጽቡቕ ፡ ምድሪ ፡ ዝወደቐ ፡ ቃላትካ
   ብዙሕ ፡ ፍረ ፡ ክትፈሪ ፡ ህይወተይ ፡ ብጸጋኻ
   ወደ ፡ መዝሙር ፡ ክኸውን ፡ ንኣቦውን ፡ ክኸብሮ
   ንዘልኣለም ፡ ቃላትካ ፡ ኣብ ፡ ልበይ ፡ ኣሕድሮ

ተደጋሚ፦ ጎቦ ፡ ልበይ ፡ ኣፍርሶ ፡ ብቓላትካ ፡ ሕረሶ
ሚእትን ፡ ስሳን ፡ ሰላሳን ፡ ክፈሪ ፡ ኣለስልሶ