ፍቕሪ ፡ ኣውረዶ (Feqri Aweredo)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

፩) ፍቕሪ ‘ውረዶ’ዚ ፡ ለዋህ ፡ ፈቃር ፡ ጎይታ
   ምእንታና ፡ ተወልደ ፡ ኣብ ፡ መብልዕ ፡ ማል
   ብጻዕሪ’ውን ፡ ኣሕነቕነቐ ፡ ብጸሎት
   ክብሪ ፡ ይሃብ ፡ ንእኡ፡ ኩሉ ፡ ፍጥረት

ብሕማም ልዱይ በዓል ስቓይ ሰብ
መጸ ፡ ናብ ፡ ልበይ መልኦ ህይወተይ
ብሰብ’ውን ፡ ንዑቕ ፡ እኳ’ንተኾነ
ኣይሕደገናን ፡ ምሕረቱ ፡ ብዝሐ

፪) ከም ፡ ገንሸል’ውን ንማሕረዲ ተወስደ፡
   ኣበሳና ፡ መድሓኒና ፡ ከኣለ
   ስቕ ምስ በለ ኣፉ’ውን ከይከፈተ፡
   ብትሕትና መስቀሉ ተሸከመ።

ብብርቱዕ ፡ ስቓይ ፡ ነፍሱ ፡ ወፈየ
ኣበሳ ፡ ኹሉ ፡ ኣብኡ፡ ተጻዕነ
መቅጻዕቲ ኹሉ ፡ ናብኡ ፡ ወረደ
ንሕና ፡ ክንፍታሕ ፡ ንሱ ፡ ተገረፈ