ፍቕሪ ፡ ኣምላኽ (Feqri Amlakh)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

፩) ፍቕሪ ፡ ኣምላኽ ፡ ዓቢ ፡ እዩ ፡ መልሓስን
   ብርዕን ፡ ካብ ፡ ዝብሎ
   ንዝለዓለ ፡ ልዕሊ ኡ፡ ንዝተሓተ ፡ ትሕቲኡ
   ርእሱ ፡ ንዘትሕት ፡ ሓጢያተኛ ፡ ሓጥያቱ ፡ ደምሲሱ
   ኣጽርዩ መታን ክመልሶ ፡ ንወዱ ፡ ለኣኾ

ተደጋሚ፦ ኣየ ፡ ፍቕሪ ፡ ጽሩይ ፡ ፍቕሪ ፡ ጽኑዕ
ዘይውዳእ ፡ ፍቕሪ
ንዘልኣለም ፡ ክነብር’ዩ ፡ ኢሎም
ጻድቃን ፡ ዘመሩ

፪) ግዜታትና ፡ ምስ ፡ ሓለፈ ፡ ዝፋናትና ፡ ምስ ፡ ፈረሰ
   ንኣምላኾም ዝኣበዩ ሽዑ ናብ ኣኽራን ከእውዩ።
   ብጸጋን ሓቅን ብፍቕርን የሱስ ክግለጽ’ዩ።
   ብኡ ዝደሓኑ ደቁ እናዘመሩሉ።

ተደጋሚ፦ ኣየ ፡ ፍቕሪ ፡ ጽሩይ ፡ ፍቕሪ ፡ ጽኑዕ
ዘይውዳእ ፡ ፍቕሪ
ንዘልኣለም ፡ ክነብር’ዩ ፡ ኢሎም
ጻድቃን ፡ ዘመሩ

፫) ባሕሪ ፡ ቀለም ፡ እንተኾነ ፡ ሰማያት ፡ ከኣ ፡ ወረቐት
   ኩሎም ፡ ሰባት ፡ ድማ ፡ ጸሓፍቲ ፡ ንፍቕሪ ፡ ኣምላኽ
   ክጽሕፉ፡ እቲ ፡ ባሕሪ ፡ ምነጸፈ ፡ ሰባት’ውን ፡ ምደኸሙ
   ‘ቲ ፡ ወረቐት ፡ ምጸበበ
   ሰማያት’ውን ፡ ‘ንተኾነ

ተደጋሚ፦ ኣየ ፡ ፍቕሪ ፡ ጽሩይ ፡ ፍቕሪ ፡ ጽኑዕ
ዘይውዳእ ፡ ፍቕሪ
ንዘልኣለም ፡ ክነብር’ዩ ፡ ኢሎም
ጻድቃን ፡ ዘመሩ