ብየሱሰይ ፡ ሓራ ፡ ኮይነ (Byesusey Hara Koyne)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

ካብቲ ፡ ናይ ፡ ሓጥያት ፡ ሞት ፡ መውጽኢ ፡ ስኢነ
ላዕልን ፡ ታሕትን ፡ ክብል ፡ ቅሳነት ፡ ስኢነ
ሓራ ፡ ምዃነይሲ ፡ ኣየስተውዓልክዎ
ብየሱሰይ ፡ ሕጂ ፡ ተረዲእዮ'የ
ብመዝሙር ፡ ምሥጋና ፡ ክዘንትዎ'የ

ብየሱሰይ ፡ ሓራ ፡ ኮይነ
በቲ ፡ ደሙ ፡ ነጻ ፡ ወጼ
ሓራ ፡ ምእንቲ ፡ ትኸውን ፡ ኢሉ
ክርስቶስ ፡ ሓራ ፡ ኣውጺኡኒ'ዩ

ኣሰይ ፡ ንየሱሰይ ፡ ክዝምረሉ'የ
ከም ፡ ዝተፈትሐት ፡ ብተይ ፡ ክዝለሉ'የ(፪)

ንሓጥያት ፡ ባርነት ፡ ዝተሰከምክዎ
ብፍቓድ ፡ ናይ ፡ ሥጋ'ውን ፡ ዝጐየኹዎ
ፍፁም ፡ ኣኽቲሙ'ዩ ፡ ኣምላኽ ፡ ቆሪጹዎ
የሱስ ፡ ኣብ ፡ ሂወተይ ፡ ጐይታ ፡ ጌረዮ'የ
ደጊም ፡ ብኣርዑት ፡ ባርነት ፡ ኣይቑረንን'የ

ብየሱሰይ ፡ ሓራ ፡ ኮይነ
በቲ ፡ ደሙ ፡ ነጻ ፡ ወጼ
ሓራ ፡ ምእንቲ ፡ ትኸውን ፡ ኢሉ
ክርስቶስ ፡ ሓራ ፡ ኣውጺኡኒ'ዩ

ኣሰይ ፡ ንየሱሰይ ፡ ክዝምረሉ'የ
ከም ፡ ዝተፈትሐት ፡ ብተይ ፡ ክዝለሉ'የ(፪)

ከምታ ፡ ተኣሲራ ፡ ዝነበረት ፡ ዒሉ
ጐይታ ፡ ክኸብረላ ፡ ፈቲሖም ፡ ዝመጹ
ኣነውን ፡ ብብዙሕ ፡ እሱር ፡ እየ ፡ ኔረ
የሱስ ፡ ከኽበረለይ ፡ ተፈቲሐ ፡ እየ
ደጊም ፡ ሓድሽ ፡ ፍጥረት ፡ ኮይነ ፡ እየ

ብየሱሰይ ፡ ሓራ ፡ ኮይነ
በቲ ፡ ደሙ ፡ ነጻ ፡ ወጼ
ሓራ ፡ ምእንቲ ፡ ትኸውን ፡ ኢሉ
ክርስቶስ ፡ ሓራ ፡ ኣውጺኡኒ'ዩ

ኣሰይ ፡ ንየሱሰይ ፡ ክዝምረሉ'የ
ከም ፡ ዝተፈትሐት ፡ ብተይ ፡ ክዝለሉ'የ(፪)