በርትዒ ፡ ነፍሰይ (Bertiee Nefsey)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

፩) በርትዒ ፡ ነፍሰይ ፡ መገሻና ፡ ይቕጽል
ለይቲ'ንተ ፡ ጸልመት ፡ አይክነው ፡ ሕን'ዩ
ክብሪ ፡ ናምላኽ ፡ ብርሃንና ፡ ይወጽእ
ማዕበል'ውን ፡ ሐላፊ ፡ እዩ ፡ ሃሌሉያ

ተደጋሚ፦ ሃሌሉያ፡ ሃሌሉያ
ማዕበል’ውን ፡ ሓላፊ ፡ ኢዩ ፡ ሃሌሉያ

፪) ማዕበል ፡ ይብርትዕ ፡ ምድሪ’ውን ፡ ተንቀጥቅጥ
በርቂ ፡ ይበርቕ ፡ ፈተና ፡ ይኸብድ
የሱስ ፡ ሓለፎ ፡ ንኹሉ ፡ ጸጥ ፡ ከብል
ማዕበል’ውን ፡ ሓላፊ ፡ ኢዩ ፡ ሃሌሉያ

ተደጋሚ፦ ሃሌሉያ፡ ሃሌሉያ
ማዕበል’ውን ፡ ሓላፊ ፡ ኢዩ ፡ ሃሌሉያ

፫) ብርሃን ፡ ይኽወል ፡ ጽልግልግ ፡ ይመስል
ነፍሰይ ፡ ትፈርህ ፡ ማዕበላት ፡ ይግንፍል
ጎይታ ፡ ይጽውዕ ፡ ኣይትፍራህ ፡ ይብለኒ
ማዕበል፡ ቀልጢፉ ፡ ይሓልፍ ፡ ሃሌሉያ

ተደጋሚ፦ ሃሌሉያ፡ ሃሌሉያ
ማዕበል’ውን ፡ ሓላፊ ፡ ኢዩ ፡ ሃሌሉያ

፬) ኣብ ፡ ብሩህ ፡ ወደብ ፡ ቀልጢፍና ፡ ንበጽሕ
ነጻ ፡ ካብ ፡ ማዕበል ፡ ዘልኣለም ፡ ነዕርፍ
ኣብ ፡ ንምዕቆብ ፡ ካብዚ ፡ ማዕበል ፡ ዓለም
ኩሉ ፡ ማዕበል ፡ ክውዳእ’ዩ ፡ ሃሌሉያ

ተደጋሚ፦ ሃሌሉያ፡ ሃሌሉያ
ማዕበል’ውን ፡ ሓላፊ ፡ ኢዩ ፡ ሃሌሉያ