ዓወት ፡ ሃበና (Awet Habena)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)
  1. REDIRECT Name der Zielseite

፩) ‘ቲ ፡ መብረሲ ፡ ኸይድይበና
    ንዕርድና ፡ ኣጽንዓልና
    ሓቛቑና ፡ ኣደልድለልና
    ንሓይልና ፡ ኣበርትዓል (፪)

ተደጋሚ፦
ዓወት ፡ ሃበና (፫)
ዓወት ፡ ሃበና (፫)

 ፪) ወሓይዝ ፡ ብልያል ፡ ከየርክበና
    ‘ቲ ፡ ዝጓዝም ፡ ከይኣትወና
    ሰራዊት ፡ ፈርኦን ፡ ከይረትዓና
   ብመንፈስካ ፡ ሕጸረና (፪)

ተደጋሚ፦
ዓወት ፡ ሃበና (፫)
ዓወት ፡ ሃበና (፫)

፫) ብፈተና ፡ ተዓጊስና
    ‘ቲ ፡ እተኣርነበ ፡ ኣኽሊልና
    ብየሱስ ፡ እተዳለወልና
    ንኽንወርሶ ፡ ኣብቅዓና (፪)

ተደጋሚ፦
ዓወት ፡ ሃበና (፫)
ዓወት ፡ ሃበና (፫)
 
፬) ሰናይ ፡ ገድሊ ፡ ተጋዲልና
   ናይ ፡ ዓለም ፡ ጉዕዞ ፡ ወዲእና
  ናብ ፡ ሰማይ ፡ ምስ ፡ ተሳገርና
  ምስ ፡ የሱስ ፡ ክንነብር ፡ ኢና (፪)

ተደጋሚ፦
ዓወት ፡ ሃበና (፫)
ዓወት ፡ ሃበና (፫)