ኣጽልለኒ (Atsleleni)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

፩) ብርሃን ፡ ጸሓይ ፡ ፍጹም ፡ ምስ ፡ ጠፍኤ ፡ ጸልማት ፡ ምስ ፡ ኮነ
   ተሓጒሰ ፡ ኤመስግኖ ፡ ጸጋ ፡ ዝሃበ
   ጸልማት ፡ ኣሎ ፡ ኣብ ፡ ቅድመይ ፡ ዘሰንብደኒ
   መልኣኽካ ፡ ልኣኽ ፡ ኣጽልለኒ

፪) ዝሓለፈ ፡ ኩሉ ፡ ድኻመይ ፡ መታን ፡ ከይደግሞ
   ንዝመጽእ ፡ መምሃርየይ ፡ ጎይታ ፡ ግበሮ
   ኣብ ፡ ዓራተይ ፡ ሃበኒ ፡ ጥዑም ፡ ድቃስ
   ኩሉ ፡ ዘጉሂ ፡ ካብ ፡ ልበይ ፡ ይርሓቕ

፫) እዋን ፡ ፈነዋይ ፡ እንተኾነት ፡ ጎይታ’ዛ ፡ ለይቲ
   ንሓይሊ ፡ ሞት ፡ መታን ፡ ክስዕሮስ ፡ ኣኽእለኒ
   ኣብቅዓኒ ፡ ክፋኖ ፡ ተሓጒሰ
   ብህይወተይ ፡ ዕዮይ ፡ ቀሲነ