መን ፡ ኢዩ (Men Iyu) - ፊልሞን ፡ ዮሃንስ

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ፊልሞን ፡ ዮሃንስ
(Filmon Yohannes)

Filmon Yohannes 1.jpg


(1)

እሙን ፡ ዩ
(Emun Yu)

ዓ.ም. (Year): ፳ ፻ ፱ (2018)
ቁጥር (Track):

(6)


ሌሎች ፡ የአልበሙ ፡ መዝሙሮች
(Other Songs in the Album)
የፊልሞን ፡ ዮሃንስ ፡ አልበሞች
(Albums by Filmon Yohannes)

መን ኢዩ ፣መን ኢዩ ዘፍርሶ ምኽርኻ
መን ኢዩ ዝቕይር ሓሳብካ
ንምኽርታትካ ዝፈልጦ
ንምግላጽካ ዝደፍሮ(2)
መን ኢዩ(2)

መን ኢዩ፣ ዝከራኸረካ
መን ኢዩ፣ ዘይምብርከኽልካ
መን ኢዩ ዘይሰግደልካ
መን ኢዩ ዘይግዝኣልካ

ኣብቲ ልዕል ዝበለ ቦታ ኣትነብር ንስኻ በይንኻ
ንብርሃንካ መን የጸልምቶ ንሓይልኻ መን ዕሽሽ ይብሎ(2)
እቶም መርመርቲ ንመርምር ኢሎም
እቲ ምንጭኻ ካበይ ኢዩ ኢሎም
እንተዘዋወሩ ምንጮም ፈሊጦም
ካብ ሃተወተው ሂወት ድሒኖም ምስ ክብርኻ ተራኺቦም(2)

ዓቢ(10) ስልጡን (10)

ብግርማኻ ስልጣን ዕቤትካ ፣ ጸላእትኻ ይግዝኡልካ
እናቀባጠሩ ይሰግዱልካ ፣ ከይፈተዉ ይምብርከኹልካ (2)
ኣነ እውን ነዚ ተረዲአ ፣
መዕረፍየይ ንስኻ ኢኻ ኢለ
ትውክልተይ ኣባኻ ኣንቢረዮ ፣
ንምርዳእካ ተረዲአዮ ፣ ብርክኽ ይብል መቺኡኒ ኣሎ (2)
ዓቢ(10) ስልጡን (10)

ነቲ ምስኪን ንስኻ ትዝክር ፣ ነቲ ሕዙን ትጸናንዕ
ናይ ፍቕርኻ ዘንጊ ትዝርግሕ ፣ ፍንፉን ብኽብሪ ትስሕብ
ምስ ሰማዕኩ በእዝነይ ድሮ፣
ረዲእትካ እቲ ብዓንተቦ
ተኣማሚነ ከምተዋጽኣኒ
ጨዲረ እንድየ ምሳኻ ይሕሸኒ፣ ንስኻ ኢኻ ተዋጻኒ (2)

መን ኢዩ ፣መን ኢዩ ዘፍርሶ ምኽርኻ
መን ኢዩ ዝቕይር ሓሳብካ
ንምኽርታትካ ዝፈልጦ
ንምግላጽካ ዝደፍሮ(2)
መን ኢዩ(2)

መን ኢዩ፣ ዝከራኸረካ
መን ኢዩ፣ ዘይምብርከኽልካ
መን ኢዩ ዘይሰግደልካ
መን ኢዩ ዘይግዝኣልካ