አባል:ዮናታንን ሶሱናን

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ

ካባኻ ሪሒቀ[edit]

፩: ካባኻ ሪሒቀ፣ ናበይ እየ ክኸይድ፧ እንታይከ ክረክብ ካባኻ ዝበልጽ፧ ኣይደልን (፪) ክፍልየካ፣ ሓንሳእ ንዘልኣለም መሪጸካ

ሰናይካ እንድዩ ለሚዱ፣ ልበይ፣ ክፍለ ዘይገብረለይ ጽቡቕካ እንድዩ ለሚዱ፣ ልበይ፣ ክፍለ ዘይገብረለይ (፪)

ተደጋጋሚ[edit]

ኣይደልን'የ ክርሕቕ ካባኻ፣ ኣይደልን'የ ክፍልየካ እንታይዶ ጽቡቕ ኣሎኒ'ዩ፧ እየሱስ፣ ብዘይካኻ ጽባቕ ክብረተይ፣ ዝምካሓሉ ሃብተይ፣ ናይ ዘላለም ርስተይ ንስኻ እንዲኻ ዎ፣ እየሱሰይ፣ ናይ ዘልኣለም ዘይትበርስ ሃብተይ

ኣነ ንክኸብር፣ ዝተዋረድካለይ ህይወት፣ ንኽረክብ፣ ንስኻ ሞይትካለይ

ሰላመይ (፪) ወሓዚ ጌርካዮ፣ ብስምብራትካ ቁስለይ ፈዊስካዮ እዚ እናርኤኹስ ኣነ ፈጺመ ነይፍለ፣ እንተደለኹ'ኳ፣ ልበይ ኣይገብርለይን

ተደጋጋሚ[edit]

ኣይደልን'የ ክርሕቕ ካባኻ፣ ኣይደልን'የ ክፍልየካ እንታይዶ ጽቡቕ ኣሎኒ'ዩ፧ እየሱስ፣ ብዘይካኻ ጽባቕ ክብረተይ፣ ዝምካሓሉ ሃብተይ፣ ናይ ዘላለም ርስተይ ንስኻ እንዲኻ ዎ፣ እየሱሰይ፣ ናይ ዘልኣለም ዘይትበርስ ሃብተይ

ካብ ሞንጎ ኣማልኽቲ ከማኻ ዝበለ ብዕብየቱ ዝፍራሕ ገባሪ ተኣምራት

ከማኻ (፪) ዝኸበረ መን'ዩ ልዕል ዝበለኸ እንታዋይ'ዩ፧

ንዝተበጆኻ'ዮ ብምሕረት ትመርሕ ነፍሰይ ብፍቶታ ድሕሬኻ ትጠብቕ

ተደጋጋሚ[edit]

ኣይደልን'የ ክርሕቕ ካባኻ፣ ኣይደልን'የ ክፍልየካ እንታይዶ ጽቡቕ ኣሎኒ'ዩ፧ እየሱስ፣ ብዘይካኻ ጽባቕ ክብረተይ፣ ዝምካሓሉ ሃብተይ፣ ናይ ዘላለም ርስተይ

ብዘይካኻ እሞ፣ ካልእ መን እዩ ኣምላኽ፧ እወ፣ ብዘይካኻ መንከ ኣሎ ኰውሒ

ካብ ልበይ (፪) አፍቅረካ እየ እገልጸልካ ፍቕረይ ብዜማ ገይረ

ዎ ኣምላኽ ክብረይን ልበይን ኣንቂደን ሰናይካ ከዝንቱ 'ምበር ካባኻስ ኣይፍለን (፪)

ተደጋጋሚ[edit]

ኣይደልን'የ ክርሕቕ ካባኻ፣ ኣይደልን'የ ክፍልየካ እንታይዶ ጽቡቕ ኣሎኒ'ዩ፧ እየሱስ፣ ብዘይካኻ