ከመይሉ ፡ ኾነለይ (Kemeylu Koneley)

From WikiMezmur, the free amharic mezmur lyrics database.
ዘልለው ለመሔድ፦ የማውጫ ቁልፎች, ፍለጋ
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች
(Other Classic Mezmur Lyrics)

፩) ከመይ’ሉ ፡ ኾነለይ ፡ የሱስ ፡ ከፍቅረኒ
ንዓይ ፡ ድኹም ፡ ሕሱር ፡ ፈትዩ ፡ ክቐርበኒ
ዝርአ ፡ ዘይርአ ፡ ኩሉ ፡ ዝፈጠረ
ከመይሉ ፡ ኾነለይ ፡ ክብለኒ ፡ ወደየ

ተደጋሚ፦ ተሓጒሰ ፡ ተመስገን
ተመስገን ፡ ኣምላኸይ
ተዓዊተ ፡ ተመስገን
ተመስገን ፡ ኣምላኸይ

፪) ከመይ’ሉ ፡ ኾነለይ ፡ ብኣምላኽ ፡ ክናበ
ብስጋ ፡ ብነፍሲ ፡ ኩሉ ፡ አናሃበ
ካብ ፡ ጸላኢ ፡ ነፍሰይ ፡ ዓወተይ ፡ ዘይፈቱ
ዓወት ፡ አናሃበ ፡ ናብ ፡ ሰማይ ፡ ዘአቱ

ተደጋሚ፦ ተሓጒሰ ፡ ተመስገን
ተመስገን ፡ ኣምላኸይ
ተዓዊተ ፡ ተመስገን
ተመስገን ፡ ኣምላኸይ

፫) ከመይሉ ፡ ኾነለይ ፡ ኣብ ፡ ዙርያ’ቲ ፡ ዝፋን
ምስ ፡ ኩሎም ፡ ኣሕዋተይ ፡ ብሓጎስ ፡ ምምስጋን
የሱሰይ ፡ ዘለዎ ፡ ነቲ ፡ ጥዑም ፡ ዓዲ
ከመይ’ሉ ፡ ኾነለይ ፡ ክኸውን ፡ ወራሲ

ተደጋሚ፦ ተሓጒሰ ፡ ተመስገን
ተመስገን ፡ ኣምላኸይ
ተዓዊተ ፡ ተመስገን
ተመስገን ፡ ኣምላኸይ